Fana: At a Speed of Life!

ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚን ዘላቕ ሰላም ንምፍጣርን ዝግበር ፃዕሪ ከምትሕግዝ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ኢኮኖሚን ዘላቕ ሰላም ንምፍጣርን ዝግበር ፃዕሪ ከምትሕግዝ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋኒ ጆቢን ገሊፆም።

በኢትዮጵያ የካናዳ አምባሳደር ስቴፋኒ ጆቢን÷የካናዳና ኢትዮጵያ የቆየ ጠንካራ ወዳጅነት ተጠናክሮ የሚቀጥል መሆኑት ተናግረዋል።

ኢትዮጵያ ዘጋማ እዋናዊ ፀገም ንኽትሓልፍ ካናዳ ሓገዝ ከምትገብር ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት ልምዓት ኢትዮያ ከምትድግፍ እውን ኣብሪሆም።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ዝገበረ ፖሊሲ ወፃኢ ሃገሮም መሰረት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት እናሓገዙ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ዘማእኸለ ጥንኩር ኢኮኖሚን ስርዓት ጥዕናን ንምዝርጋሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ካናዳ ናይ ባዕላ ሓገዝ እናገበረት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ካናዳ ብእወንታ ትቕበሎን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሓገዝ ከምትገብር ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.