Fana: At a Speed of Life!

ካብ 18 ሺሕ መረዳእታታት ትምህርቲ እቶም 900 ናይ ሕሶት ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 18 ሺሕ መረዳእታታት ትምህርቲ ሕጋዊ መረጋገፂ ተገይሩ እቶም 900 ናይ ሕሶት ኮይኖም ከምዝተረኸቡ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ኣፍሊጡ።

እቶም መረዳእታታ ትምህርቲ፥ ተመሳዲሎም ዝተሰርሑ፣ ኣፍልጦ ካብ ዘይብሉ ትካል ዝተውሃቡ፣ ብዘይተፈዘቐደ ዓውዲ ትምህርቲ ዝሰልጠኑ፣ መቑረፂ ነጥቢን መረጋገፂ ብቕዓትን ዘይብሎም ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስራሕቲ ምፅራይ ዝተገበረ፥ ኣብቲ በጀት ዓመት ሕጋዊነትን ትኽክለኘነትን መረዳእታ ትምህርቲ ንኽረጋገፀሎም ኣብ ዝሓተቱ 18 ሺሕ ዓማዊል ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ኣብ ኣወሃህባ ፍቓድ ዝተዋደደ ላይለዋይ ትምህርቲ፣ ሕድሰሳት ፍቐድ፣ ክትትልን ቁፅፅርን ብምትሕብባር ንምስራሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ ኣካይዱ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ምባሳደር ሽፈራው ሽጉጤ፥ ጉዳይ ናይ ሕሶት መረዳእታ ትምህርቲ እናተገዳደደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ፅሬት ስልጠና፣ ግቡእነትን ትኽክለኛነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዝሓትት ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.