Fana: At a Speed of Life!

ካብ 1 ሺሕ ኣዋርሕ ኢባዳ ዝለዓለ ምንዳዋ ሚዛን ዝደፍእ “ለይለቱል ቀድር”

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ዝዛዘም ናይ ረመዳን ወርሒ ካብ 1 ሺሕ ኣዋርሕ ወይ ካብ 83 ዓመታት ካብ 3 ኣዋርሕ ኢባዳ ንላዕሊ ዝለዓለ ምንዳ ዘለዋ ሓንቲ ለይቲ “ለይለቱል ቀድር” ትርከብ።

እዛ በረከት ብዙሕ “ለይለቱል ቀድር” ምእመን ብንቕሓት ንክሕልዋ ኣስተምህሮ ይእዝዝ።

ረመዷን” ማለት . . .

ኣብ ቁርኣን ከምዝተገለፀ፥ ብኣላህ ናይ ኣዋርሕ ቁፅሪ 12 ኢዮም። ንሳቶም እውን  ሙሀረም፣ ሰፈር፣ ረቢዕ ኣልኣወል፣ ረቢዕ ኣልሳኒ፣ ጅማድ ኣልኡላ፣ ጅማድ ኣልኣኺራ፣ ረጀብ፣ ሻዕባን፣ ረመዷን፣ ሸዋል፣ ዙል ቀኢዳን ዙል ሂጃን ኢዮም።

ኣብ ላዕሊ ብመሰረት ዝቐረበ ኣገላልፃ፥ “ረመዷን” ማለት ካብ 12 ኣዋርሕ ናይ ታሽዓይ ስያሜ ኢዩ።

ረመዷን” ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ብምንታይ ይፍለ?

ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ዝፍለየሉ ምኽኒያት ሓደ “ቁርአንዝወረደሉ ወርሒ ምዃኑ ኢዩ” ይብሉ ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሼኽ ሃሚድ ሙሣ። እዚ ድማ ኣብ ቁርኣን ብዛዕባ ምጥቃሱ ብምርግጋፅ።

ብተወሳኺ ረመዷን ናይ ሰደቃ፣ ራህመት፣ ጀነት በሪ ዝኽፈተሉ፤ ናይ ገሃነም በሪ ዝዕፀወሉ፣ እወንታዊ ስራሕቲ እንትስርሑ ካብ ኣላህ ዕፅፊ ክፍሊት (ኣጅር) ዘርክብ ብምዃኑ ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ከምዝፍለ የብርሁ።

ከምኡውን ረመዳን “ለይለቱል ቀድር” ዝተብሃለት ናይ 1 ሺሕ ኣዋርሕ ናይ ኣምልኾ ምንዳ ክተርክብ እትኽእል ሓንቲ ለይቲ እትርከበሉ ወርሒ ብምዃኑ ፍሉይ ኢዩ ይብሉ።

ብዛዕባ “ረመዷን” ፆም ኣላህ እንታይ ኢሉ?

ናይ በረከት መርከቢ ወርሒ ብምዃኑ ሙስሊማት ንክፆሙ ትፅቢት ይግበር ኢዮም ኢሎም ሼኽ ሃሚድ።

እዚ እውን “ንስኻትኩም ምእመናን ፆም ንክትፆሙ ግድነት ተገይሩልኩም፤ ቅድሚኹም ዝነበሩ ምእመናን ግዴታ ከምዝተገበረ ኩሉ ኣብ ልዕሌኹም ግዴታ ተገይሩ ኢዩ” በምባል ኣላህ ኣብ ቁርኣን ተዛሪቡ ይብሉ።

ብኻሊእ መዳይ “ካብ መንጎኹም ዝሓመመ ሰብ እንተሃሊዩ ወይ ኣብ ጉዕዞ እንተኾይኑ ምፇም ስለ ዘይኽእል እቲ ፆም ይግደፎ እሞ ካልእ እዋን ዘይፆሞ መዓልቲ ብምቑፃር ‘ቀዷ’ (እዳውን) ንክኸፍል ኣዚዘ ኣለኹ” እንትብል ኣላህ ዝተዛረቦ ገሊፆም።

እዚ ምፍፃም ትፅቢት ከምዝግበር እወን ኣገንዚቦም።

“ንዓኹም ከቕልለልኩም ኢዩ እንበር ኣላህ ዝደሊዮ ከጨንቐኩም ኣይደሊን” ኢሉ ብመሰረት ዝተዛረቦ ኣብቲ እዋን ምፇም ንዘይከኣሉ ኣማራፂ ምጥቃሙ ኢዮም እቶም ዋና ፀሓፊ ዘረድኡ።

ናይ “ረመዷን” ትሩፋት!

ናይ ረመዷን ወርሒ ብዙሓት ትሩፋት ከምዘለውዎ ኢዩ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ ዝገለፁ።

ቁርአን ብበዝሒ ዝቅረበሉ፣ “ቀልቢታት” ናብ ፈጣሪኦም ቀጥ ዝብልሉ፣ ርህራሄ ዝበዝሐሉ፣ ሰደቓ ዝስደቐሉ፣ ናይ ቸርነት፣ ቅንዕና፣ ተኻፊልካ ምብላዕን ንተሓጋገዝን ወርሒ ምዃኑ ካብ መንጎ እቶም ትሩፋታት ከምዝጥቀሱ ገሊፆም።

ናይ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ “ረመዷን”!

ወርሒ ረመዷን ብሰለስተ ዓሰርተ መዓልቲታት ዝኽፈል እንትኸውን፥ ካብቶም ሰለስተ ዓሰርተታት ናይ መወዳእታ ዓሰርተ (“ኣሸረ ኣልኣዋኺር”) ይበሃል።

ከም ገለፃ ሼኽ ሃሚድ ሙሳ፥ ብሓፈሻ “ረመዷን” ናይ “ኢባዳ” ወርሒ ይኹን እምበር፤ ሳልሳይ ዓሰርተ መዓልቲታት ብዝተፈለየ መልክዑ ብፆምን ፀሎትን መሕለፊ እዋናት ( ናይ” ኢባዳ” ለይቲታት) ኢዮም።

ናይ መወዳእታ ሰሙን ናይ ረመዷን ለይቲታት ካብ ካልኦት ሰሙናት ለይቲታት ዝፍለዩሉ ምኽንያታት ከምዘለዉ እውን ይገልፁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት፥ ነብይ መሓመድ (ሰለሏህ ዓለይሂ ወሰለም) እናበሩዎ ከምዝነበሩ “ስራሕ ገዲፍካ፣ ንባዕልኻ ዓቂብካ ን”ኢባዳ” ምቕማጥ ቀትሪን ለይቲን ኣብ መስጊድ ምሕላፍ (“ኢህቲካፍ” ምእታውት) ሓደ ኢዩ” ይብሉ።

ብምዃኑ ድማ ናብ መስጊድ ን”ኢህቲካፍ” ዝኣተወ ምእመን ግዘ ዘይህብ ጉዳይ እንተዘየጋጢሙዎ ካብ መስጊድ ምውፃእ ዘይከኣለሉ ሰሙን ከምዝኾነ ይሕብሩ።

ካሊእ ምኸንያት ድማ ኣብዞም ለይቲታት፤ ሶላት ተራዊህን ተሃጁድን ይስገድ፣ ለይቲ ሙሉእ ብዘይ ድቃስ ቁርዓን ብምቅራት ክሓልፉ ይግበር፣ መሻይኻት፣ ዑለማታትን ኣስገድቲ መስጊዳትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሶላት እዋን (ኣብ ዙህር፣ ዓስር፣ መግሪብ፣ ኢሻ)፣ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ስነ ምግባር፣ ኣምልኾ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ እቲ እምነት (ዓቂዳ) ምኽሪ ይህቡ ኢዮም ኢሎም።

ሼኽ ሃሚድ ሙሳ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝበነበሮም ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ሙስሊማት ወርሒ “ረመዷን” ንዝቕፅሉ 11 ኣዋርሕ ጥንካረን ዓቕሚን ባህሪ፣ ስነ ምግባርን ኣምልኾን ዘጎልብቱሉ ፍሉይ ወርሒ ኢዩ።

ናይ መወዳእታ ሰሙን ለይቲታት እውን ብንቕሓት ብኢባዳ ከምዘሕልፉዎም ተዛሪቦም።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ እዋን ፆም ሰሙን ወርሒ ረመዷን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት መስጊዳት ሶላት ተሃጁድ ከምዝስገድ እቶም ሼኽ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ “ነዊሕ ሩኩዕ፣ ነዊሕ ስጁድ፣ ነዊሕ ቂያም ዘካተተ ሶላት ይስገድ” ኢሎም።

ብሓፈሻ እዚ ኩሉ ንኢባዳ ዝግበር መስዋእትነት ብኣላህ ከም ምግዛእ ዝኽፈል መስዋእትነት ንምስልጣን ከምዝኾነ እውን የልዕሉ።

ካብ 1 ሺሕ ኣዋርሕ ኢባዳ ዝዓዘዘ ምንዳ ዘለዋ ሓንቲ ለይቲ (ለይለቱል ቀድር)

ኣብ ውሽጢ ናይ መወዳእታ ሰሙን ቅዱስ ወርሒ ረመዷን ‹‹ለይለቱል ቀድር›› ትበሃል በረከታ ዝበዝሐ ነይቲ ኣላ፡፡ እዛ ለይቲ ‹‹ኸይሩን ሚን ኣልፊሸህር›› ይብላ ቁርኣን፡፡

ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ከምዝበሉዎ፥ “ኣብዛ ለይቲ ጠንኪርካ ምምላኽ ን1 ሺሕ ኣዋርሕ ወይ እውን (ልዕሊ 83 ዓመትን 3 ኣዋርሕን) ግዙእ ኣላህ ከም ምዃን ይቑፀር”፡፡

ሙስሊማት እዛ ብዙሕ በረከት ዘለዋ ለይቲ ብኢባዳ ንምሕላፍ ብንቕሓት ምሕላው ከምዝግባእ ምዒዶም፡፡

ሼኽ ሃሚድ፥ ‹‹ካብተን ዓሰርተ መዓልቲታት ኣየንኣ ኢያ?›› ተተባሂሎም ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ተሓቲቶም ከምዝነበረ ኣልዒሎም፡፡

ነብይ መሓመድ እንትምልሱ ‹‹ተነጊሩኒ ክነግረኩም እንትመፅእ ረሲዐዮ›› ብምባል ከምዝመለሱ ይገልፁ፡፡

ኣላህ ንምንታይ ኣረሲዑዎም? ንዝብል ሕቶ ‹‹እታ መዓልቲ እንተተፈሊጣ ሙስሊማት እታ መዓልቲ ጥራሕ ኢባዳ ገይሮም ዝተረፋ መዓልቲታት ሸለል ከይብሉዎን ኢዩ። ዓሰርቲአን መዓልቲታት ብትግሃት ኢባዳ ንኽገብሩ ተሓሲቡ ኢዩ›› ኢሎም ነቢይ መሓመድ፡፡

እና እንታይ ንግበር እንትብሉዎም ድማ “ብዝኾነ ኣብ ጎዶሎ ቁፅሪ ኣልሹዋ” ዝብል ምላሽ ከምዝሃቡዎም ሼኽ ሃሚድ ኣብሪሆም። ጎዶሎ ቁፅሪ ማለት ድማ “ኣብ መበል 21፣ 23፣ 25፣ 27ን 29” ዘለዋ ለይቲታት ኢየን፡፡ ነብይ መሓመድ ቁርፅ ኣቢሎም እንተይተዛረቡ ካብ ሞንጎ እዚኣተን ኣልሹዋ ኢዮም ኢሎም፡፡

ናይ ነብዩ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) በዓልቲ ቤት ኣይሻ ነብዩን “ለይለቱል ቀድር” እንተጋጥመኒ እንታይ ምባል ኢዩ ዘለኒ ብምባል ሓቲተነኦም ነብዩ እንትምልሱ “ጌታ ንስኻ ይቕሬታ ትፈቱ ኢኻ እሞ ይቕረ በለኒ” ኢልኪ ለይቲ ሙሉእ ዱዓ ግበሪ ኢሎም ከምዝመኸሩወን ተገሊፁ።

ነብዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) 10 ለይቲ ድቃስ ዘለዎም ስድራታት ብምንቕናቕ ናይ ሓባር ኢባዳን ናይ ሓባር ኣምልኾን (ብጀምዓ ምፅላይ) ብምግባር ከይደቀሱ የሕልፉ ነይሮም ዝበሉ ሼኽ ሃሚድ÷ ንሕና እወን ንዕዖም እንስዕብ ብምዃንና “ብኣላህ ልኡኽ ፅቡቕ ኣርኣያ ኣለዎም፤ ንሶም ዝብልዎ ስርሑ” ስለዝተብሃልና ኢባድና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢሎም። እቲ ለይቲ ብዱዓ፣ ፀሎት፣ ንክሓልፍ ኣላህ ይቕረ ንክብል ሙስሊማት ዝፅልይሉ ለይቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ረመዷን ሰደቃ ዝወሃበሉ፣ ዓቕሚ ዘይብሎም ዝርድኡሉ፣ ናይ ምትሕግጋዝ ወርሒን ንመፍጠሪያ መኣዲ ምክፋል ጊዘ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።ብዮሐንስ ደርበው እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.