Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፓርኪታት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፓርኪታት መቀነባበሪ ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ መሰረተ ልምዓትን ህንፀት ዓቕሚን ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ኣይተ ሄኖክ ኣበበ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ፓርክታት ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ምፍራይ ካብ ዝጀመሩ ትካላት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከምዝተኸኣለ ብምሕባር፤ ካብ ሞንጎ ዝተለኣኹ ፍርያታት ዘይቲ ኣቮካዶን ሕሩጭ ኣኩሪ ኣተርን ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ ኣብሪሆም።

ቻይናን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓን እቶም ፍርያታት ዝለኣኹሎም ቀንዲ ቀንዲ ሃገራት ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ምቅንባር ፍርያት ኣቮካዶ ተተሓሒዙ÷ ኢድ ኣእታውነት ዘይሕጋዊ ደለልቲን ፀገም እዋናዊነት ፍርያትን ከምኡ እውን ኣብ ፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡሬ ዝርከብ ሪች ላንድ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ብሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ኤልክትሪክን እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን ምኽንያት ብሙሉእ ዓቕሙ ከየፍሪ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ንምፍታሕ ሚኒስቴር ሕርሻ ብዘውፀኦ ኣዋጅ ኮንትራት ፋርሚግ መሰረት ብምግባር ምትእስሳር ቀረብ እታወት ምጥንኻር፣ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ንምድንፋዕ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.