Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ መዕደሊ ነዳዲ ኣገልግሎት ሲ ቢ ኢ ብር ተግባራዊ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ መዕደሊ ነዳዲ ኣገልግሎት ሲ ቢ ኢ ብር ተግባራዊ ከምዝገብር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሙኑኬሽን እቲ ባንኪ ኣይ ኣልሰን ኣሰፋ ከምዝሓበሩዎ÷ እቲ ባንኪ ዘበናዊ፣ ንኣጠቓቕማ ቀሊልን ቅልጡፍን ዝኾነ ኣገልግሎት ሲ ቢ ኢ ካብ 1 ግንቦት 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኣብ ዝርከባ መዕደሊ ነዳዲታት ተግባራዊ ክግበር ኢዩ።

ካብ 16 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ጀሚሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ እቲ ኣገልግሎት ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ብምሕባር፥ ብዙሓት ዓማዊል ኤሌክትሮኒክ ሜላ ክፍሊት ሲ ቢ ኢ ብር ብናይ ኢድ ስልኮም ብምጥቃም ነዳዲ ከምዝተዓዳደጉ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸበ ልምዲ መሰረት ብምግባር÷ እቲ ባንኪ ብብርኪ ሃገር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዝትግበር ኤሌክትሮኒክ ዕድጊት ነዳዲ ሙሉእ ምድላው ከምዝዛመ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.