Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከምዝጅምር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ ተቛሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ኣየር ኣዲስ ኣበባ መቐለ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ሰራሕተኛታት ኣቪየሽን ናብ መቐለ ተጓዒዞም መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ንበረራ ኣብ ምዕይ ኩነታት ከምዝኾነ ከምዘረጋገፁ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ፅባሕ ኣብ ዝጅመር በረራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ከምዝግበር ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ድሌት ዓማዊል መሰረት ብምግባር ቁፅሪ በረራ ክብ ክብለሉ ዝኽእል ኩነታት ከምዝፍጠር እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ በረራ ኣብ ኩሎም መዕርፎ ነፈርቲ ክልል ትግራይ ንምጅማር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፅባሕ ዝጅምር በረራ÷ ምስ ካሊእ ወገኑ ርክብ ኣቋሪፁ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ዳግም ንኽራኸብ ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ከብዚ ሓሊፉ ሕፅረት ተበፃሕነት ሸቐጣትን ካልኦትን ዝነበሮም ሰብኣዊ ሓገዛት ብእኹል ተበፃሒ ንምግባር ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ምዃኑ ፀሪሖም፡፡

እዚ ድማ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ክብ ከብል ዝኽእል ምንቅስቓስ ከምዝኾነ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም፡፡

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.