Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ “መለኮታዊ ዑደት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ስብከት ክሳለጥ እዩ

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ “መለኮታዊ ዑደት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ስብከት ክሳለጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕን ድሕሪ ፅሕን ካብ ሸዉዓተ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ “መለኮታዊ ዑደት ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስብከተ ወንጌል ጀማ ከምዝኻየድ ተገሊፁ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ÷ ካዉንስል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስትያን ወንጌል ኢትዮጵያ ምስ ማሕበር ወንጌል ቢሊ ግራሃም ብምትሕብባር ዘሰናድእዎ እዩ፡፡

ዋን ፈፃሚ ስራሕን ፕሬዚዳንት ማሕበር ወንጌል ቢሊ ግራሃምን ቀሺ ፍራንክሊን ግራሃም ነቲ መርሃ ግብሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ÷ ዉቅብቲን ጥንክርቲን ናብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ብምምፀኦም ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፀሎት÷ ስብከተ ወንጌልን ፕሮግራም ዝማሬን ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ዋና ፅሓፊ ካዉንስል አመንቲ ኣብያተ ክርስትያን ወንጌል ኢትዮጵያ ቀሺ ደረጀ ጀምበሩ ብወገኖም፤ ከም ሃገር ፈጣሪና ነዳምፀሉ፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኣብ ምድራ ዝነብሩ ሰባት ፀሎት እንገብረሉ ግዘ እዩ ኢሎም፡፡

ማሕበር ወንጌል ቢሊ ግራሃም ከም ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓዉያን ኣብ 1952 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስብከተ ወንጌል ዘካየዱ እንትኾኑ፤ ብንጉስ ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ ቤተ መንግስቲ እንግዶት ብምግባር ሽልማት ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ወዶም ፍራንክሊን ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዘካይድዎ ስብከት ወንጌል ጀማ ድማ ድሕሪ 65 ዓመታት ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡

ብሰለሞን በየነን መሳፍንት እያዩን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.