Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሺሕ ዝኾነ ነባር ኖት ብር ብሓዱሽ ኖት ብር ምቕያር ከምዘይከኣል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሺሕ ዝኾነ ነባር ኖት ብር ብሓዱሽ ኖት ብር ምቕያር ከምዘይከኣል ተገሊፁ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክረትር ይናገር ደሴ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ቀነኣ ያደታን፥  4 መስከረም 2013 ዓ.ም ዝጀመረ ከይዲ ምቕያር ኖታት ብር ኣመልኪቶም ምግለፂ ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝነበረ ከይዲ ምቕየያር ገንዘብ ውፅታዊ ከምዝነበረ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ይናገር ደሴ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ ጨንራት መንግስታዊን ውልቃዊን ባንኪታት 96 ቢሊየን ሓዱሽ ኖት ብር ከምዝተኸፋፈለ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 920 ሺሕ ሓደሽቲ ኣካውንታት ባንኪ ከምዝተኸፈተ ዝገለፀ ዝገለፁ ዶክረትር ይናገር፥ ካብ ባንኪ ወፃእ እናተዘዋወረ ዝነበረ ብር 31 ቢሊየን ናብ ባንኪ ክኣቱ ከምዝኸኣለ እውን ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ተጠቀምቲ ባንኪ ኣካውንት ካብ ምውሳኹ ሓሊፉ ብዘይኣግባብ እናተዘዋወረ ዝነበረ  ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ከምዝመለሶ ኣብሪሆም።

ዶክተር ይናገር ከምዝበሉዎ፥ ካብ 100 ሺሕ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ዘሎ ጥረ ገንዘብ ናይ ምቕያር መዓልቱ ስለዘብቀዐ ድሕሪ ሕዚ ዝህሉ ከይዲ ምቕያር ትሕቲ 100 ሺሕ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ሚኒሰትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብግደኦም፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዑል ገንዘብ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ከኣቱ ምኽኣሉ ስዒቡ ስሩዕ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ሃገር ምዕሩይ ብዝኾነ መልክዑ ክኸይድ ከምዝገበሮ ኣገንዚቦም።

ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያዴታ ድማ እቲ ሓዱሽ ኖት ብር ናብ ዝድለ ቦታ ብኣግባቡ ኽጓዓዓዝን ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምቁፅፃርን፥ ሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ውፅኢታዊ ልኡኽቶ ፈፂሞም ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ዝህሉ ከይዲ ምልዋጥ ገንዘብ ዕዉት ንኽኸውን፥ ካብ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብዝነበረ ከይዲ ክልተ ኣናእሽተይ ፀገማት ተራኢዮም ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ምክልኻል፥ ምስ ዘይስሩዕ ኖትብር (ፎርጂድ) ተተሓሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣዲስ ኣበባን ደቡብን ዝተወሰኑ ምልክታት ተራኢዮም ከምዝነበሩን እቲ ግብረ ሓይሊ ተዋዲዱ ብዝሰርሖ ስራሕ እቲ ተግባር ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለን ገሊፆም።

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.