ካብ ግድብ ህዳሴ ዝፈልፈለ ሓይሊ ብግቡእ እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መከፋፈሊ ጣቢያ በዓል 500 ኪሎ ቮልት ሆለታ ካብ ግድብ ህዳሴ ዝፈልፈለ ሓይሊ ብግቡእ እናከፋፈለ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡
ሓላፊ እቲ ጣቢያ ኣይተ ጥላሁን ኣዘዘው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ መከፋፈሊ ጣቢያ ሕድሕዶም 750 ሜጋ ቮልት ኣምፔር ዓቕሚ ዘለዎም ሸውዓተ ትራንስፎርመራት ኣለዉዎ፡፡
ጣቢያ በዓል 500 ኪሎ ቮልት ሆለታ ኣብዚ ሕዚ እዋን÷ ካብ ግድብ ህዳሴ ብኣርባዕተ ተርባይናት እናፈልፈለ ዝርከብ 1500 ሜጋ ዋት ሓይሊ ካብ መከፋፈሊ ጣቢያ ዴዴሳ ብምቕባል ናብ ዝተፈላለያ መከፋፈሊ ጣቢያታት እናከፋፈለን ምስ ግሪድ ከምዘራኽብን ገሊፆም፡፡
እቲ ጣቢያ ካብ ደዴሳ ብበዓል 500 ኪሎ ቮልት ኣርባዕተ መስመራት ሓይሊ ብምቕባል ብጥሙር መስመር 400 ኪሎ ቮልት ንመከፋፈሊ ጣቢያታት ሱሉልታ፣ ሰበታን ገላንን ሓይሊ እናቕረበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።