Fana: At a Speed of Life!

ካብ ግዝያዊ ፍታሕ ዘላቒ ረብሓ ኣይርከብን – ቀ/ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ካብ ግዝያዊ ፍታሕ ዘላቒ ረብሓ ኣይርከብን“ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ኣውፂኦም፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

“ካብ ግዝያዊ ፍታሕ ዘላቒ ረብሓ ኣይርከብን“

ናይ ዓለምና ዓበይቲ ጥበባት ውትድርና ከምዝዛረብዎ፤ ጥንኩር ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ዝውሰን እቲ ቀንዲ ብማእኸልነቱን ብጥንኩር ሰንሰለት ዕዙን  እዩ፡፡

ኣብ ዓሰርተ ቦታ ተበጣጢሱ ካብ ዝተወደበ ሚኢቲ ሰራዊት ኣብ ሓደ ማእኸል ብስርዓት ዝተዋደደ ሰላሳ ሰራዊት ብዝበለፀ ጥንኩር ከምዝኸውን ኣብ ኣካዳሚ ውትድርና ዝሓለፉ ሰባት ብዝግባእ ይግንዘብዎ እዮም፡፡

ኣብ ኣወዳድባ ሰራዊት ምክልኻል በዝሒ ቑፅሪ ዝፃዎቶ ገደ ከምዘሎ ኡሙን እዃ እንተኾነ÷ እቲ ቑፅሪ ብጥንኩር ሰንሰለት ዕዚ፣ ጥቡቕ ዲሲፕሊን፣ ዝተወደበ ስትራቴጂ ኢሉውን ብዝተራቐቑ መሳርሕታትን ስልጠናታትን እንተዘይተሓጊዙ ዓቕሚ ስራዊት ኣየተኣማምንን።

ብፍላይ ድማ ብዘመናዊ ዓለም ዓቕሚ ስራዊት ዝልካዕ “በዝሒ” ዘይኮነስ “ፅፈት” ከምዝኾነ እሙን እዩ፡፡

ፅፈት ሰራዊት ሓደ ካብ ዶክትሪኑ ስልጠና፤ ካብ ዕጥቕን ሰንሰለት ዕዚን ዝበገስ እንትኸውን÷ ወታደራዊ ማእኸላት ን“ፅፈት” ሰራዊት ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ፡፡

ሃገራት ኣብ ውሽጢ ህፁፅ ስግኣት ፀጥታን ደሕንነትን ኣብ ዝኣትዋሉ እዋን ብትካላት ማእኸላይ ፀጥታን ደሕንነትን ኣቢለን ንዘጋጠመን ስግኣት ምምካት ዝካኣለሉ ኹነታት እንትፍጠር ከም ሚሊሻን ፉሉይ ሓይልን ዝበሉ ንምጥያሽ ዘየፀግሙ ሓይልታት ፀጥታ ብምውዳብ ንክንቀሳቕሳ ይግደዳ፡፡

እዚኦም ሓይልታት ኣብ ህፁፅ እዋን ብግዝያውነት ከምምውዳቦም ዝህብዎ ፍታሕ ግዝያዊ እንበር ዘላቒ ፍታሕ ከምዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ብውትድርና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ብግዝያውነት ዝቕመጡ ፍታሓት ውሑስ ገይርካ ምውሳድ ንባዕሉ ሓደጋ ከምፅእ ከምዝኽእል ተኣሚንሉ እዩ ናብዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ መማረፂ ፍታሓት ዝኣትዉ፡፡

እዋኑ ክበፅሕ ከሎ ድማ ውሑስ ረብሓ ዘምፅኡ ኣመራፂታት መፍትሒ ቦታ ቦታኦም ንክሕዙ ምግባር ዝተለመደ ኣካይድ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ኣይኮነን፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቐደም ብሪፎርም፣ ሐዚ ድማ ብተደጋጋሚ ብዝገበሮም ውግኣት ጠንኪሩን ብቒዑን እናተሃነፀ ይርከብ፡፡

ብመሰረት እዚ እውን  ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝረከቡ ፍሉይ ሓይሊታት ብዝተኻኣለ መጠን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንክፅንበሩ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምፅንባር ዘይደልዩ ድማ ናብ  ፌደራል ፖሊስ ወይ ድማ ክልላት ፖሊስ ንክኣትዉ ኣማራፂ ተቐሚጥሎም እዩ፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ናይ ክልል ፍሉይ ሓይልታት መስዋእቲ ህይወት ኸፊሎም እዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ በቢከባቢኡ ዝተውሃቦም ተልእኾ ብምውፃእ ሕግን-ስርዓትን ንምኽባር ተቓሊሶም እዮም፡፡

ኢትዮጵያ ሐዚ ብዘላትሉ ኩነታት ኣወዳድባ ፍሉይ ሓይሊ ኣድላይ ኣይኾነን ማለት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣይድልዩን ማለት ኣይኮነን፡፡

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ወይ ድማ ናብ ፖሊስ ንኸኣትዉ ናይምግባር ዛዕባ ንነዊሕ እዋን እናተሓሰበሉን እንተዘተየሉን ዝፀንሐ ጉዳይ ኢዩ፡፡ እቲ ዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ መድፈረኻት ህዝቢን ኣመራርሓን ተላዒሉ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ እቲ ዛዕባ ንኽለዓል ዝገበሩ ምኽንያታት ድማ ክልተ ኢዮም፡፡ እቲ ሓደ ጥቕማ ጥቕሚን ዕቤት መዓርግን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እንትኸውን÷ እቲ ካልኣይ ድማ ኣወዳድባ ምኽንያት ብምግባር ብተደጋጋሚ ዘጋጥሙ ፈተናታት ዝምልከት ኢዩ።

ኣመራርሓን ኣባላትን ፉሉይ ሓይሊ ግቡእ ግልጋሎት ንክህቡ ብዝግባእ ክተኣናገዱ ከምዘለዎም ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝዋሃቡ ወታደራዊ ትምህርትታትን ስልጠናታትን ክበፅሖም ይግባእ፡፡

እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ናብ ስሩዕ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ማለት እውን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ውይ ድማ ናብ ፌደራል ፖሊስን ናብ ክልል ፖሊሳት እንተተመዲቦም እዩ፡፡

እዚኦም ዝኣመሰሉ ብውግእ ዝተፈተኑ ሓይልታት ብግዝያዊ ኣወዳድባ ፉሉይ ሓይሊ ጥራይ ወዲብካ ምትራፍ ንሃገርን ነቶም ኣባላትን ምጉዳእ እዩ፡፡

ፍቱዋት ኢትዮጵያውያን፣

ጊዜያዊ መፍትሒ ኣማራፂ ብዘላቕነት ምውሳድ ዘጋጥም ሓደጋ ኣሎ እንትበሃል ኣብ ጭቡጥ መሰረት ብምምርኳስ ከምዝኾነ ምፍላጥ ይግባእ። ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ተተሓሒዙ ልዕሊ ሓደ ግዘ ሉኣላዊነታን ሓድነታትን ዝፈታተኑ ፈተናታ ከምዘጋጠሙዋ ኣይርሳዕን። ካብ ስግኣት ሉኣላዊነትን ሓድነትን ሓሊፉ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘየድሊ ንሕንሕ ንሕፍፀር መበገሺ እንትኾኑ ይረአ። ምስ ዘሕይጋዊ ምዝርጋሕ ኬላ፣ ኮንትሮባንድ፣ ሽፍትነት፣ ወዘተ ዝተተሓሓዙ ፈተናታት እውን እናተርኣዩ ይርከቡ። እዞም ፀገማት ዝፈልፈሉ ግዚያዊ መፍትሒ ንምምፃእ ዝፈጠርናዮም ውዳበታት ከም ዘላቒ መፍትሒ ምቑፃር ብምጅማርና ኢዩ። ብምዃኑ ንዘላቂ ሃገራዊ ረብሓ እንትበሃል ነገራት ብግቡእፈቲሽካ ኣደላዪ ናይ መፍትሒ ስጉምቲ ምውሳድ ግቡእ ኢዩ።

ጉዳይ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብይሕደር ዘፅናሕናሉ ምኽንያት ነይሩና።

እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ሓይሊ ምክልኻልና ብእኹል ኩነታት ንምውዳብ ግዘን ዓቕሚን ስለዘድለየና ኢዩ። ካልኣይ ምኽንያ ድማ እዋኑ ኣብ ሃገር ብመንፅር ዘንፀላለወ ሓደጋ ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ንምስላጥ ዘኽእል ኩነታት ስለዘይተፈጠረ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እውን ምስ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ብዝተገበሩ ልዝባት ካብ ዝለዓሉ ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ፍሉይ ሓይሊታት ነይሩ። ካብ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብምብጋስ ህዝቢ ፍሉይ ሓይሊታት ናብ ሰራዊት ምክልኻል ንኽጠቓለሉ ሓቲቱ ኢዩ። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እውን ምስ ስልጠና ሜካናያዝድ፣ ደመወዝ፣ መዓርግ፣ ዕድላት ትምህርቲን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዙ እቲ ብተደጋጋሚ ኣልዒሎምዎ ኢዮም።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ካልኦት ውዳበታት ፀፅታ ንኸኣትዉ እንትውሰን ግቡእ ምድላው ብምግባር ኢዩ፡፡ ብብርኪ መምርሒ ዝተቐመጠ እውን ዝስዕብ ኢዩ።

  • ኣመራርሓን ኣባላትን ፍሉይ ሓይሊ ክዛተዩሉ ምግባር
  • ናብ ካልኦት ውዳበታ ፀፅታ ናይ ምእታው ተግባር ኣብ ኩለን ክልላት ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊታት ንኽትግበር
  • እቶም ኣባላት ሰለስተ ኣማራፂታት ክወሃቦም ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ናብ ፌደራል ፖሊስ ወይ እውን ናብ ክልል ፖሊስ ክኣትዉ)
  • እቲ ጉዳይ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ ዘይኮነስ ዝበለፀ ስልጠናን ዕጥቂን ረኺቦም ሃገር ብዝሐሸ መልክዑ ዘገልግሉሎም ውዳበታት ንኸኣትዉ ዝገብር ከምዝኾነ
  • እዚ ስራሕ ንምትዕንቓፍ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ከምዝህል፤ ፈለማ ብምዝታይን ብምእማንን፤ ካብዚ ዝሓለፈ ተግባር ዝፍፅሙ እንተሃሊዮም ድማ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ክስራሕ ኢዩ ዝብሉ ኢዮም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብብሄራዊ ደረጃ ዝተወደበሉ ታሪኽ እንተተዓዚብና ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ውዳበታት ናብ ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ብምውሃድ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ንዕዘብ፡፡ ታሪኽ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ኢዩ፡፡ ። ብምኽንያት ቃልሲ ዓመፅቲ ዝፍጠረሉ እዋን ኣሎ። እዞም ዓመፅቲ ናብ ሰላማዊ መገዲ እንትምለሱ ካብ ዝስርሑ ተግባራት ሓደ ዝተዓጠቑ ኣካላት መርሚሩን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ምፅምባር። ኣብ 1983 ዓ.ም. ክስራሕ ነይሩዎ ብምባል ንብዙሕ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝኾነንናዮ ጉዳይ ሓደ እዚ ኢዩ ነይሩ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ሃገር ኣብ ፈተና እንትትወድቕ ዝፍጠሩ ወታደራዊ ውዳበታት ኣለዉ ኢዮም፡፡ ኢትዮጵያ ብፋሺሽት ጣሊያን ኣብ ዝተረረትሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ፍሉጣት ሓርበኛታት ዝተፈጠሩ ወታደራዊ ውረዳበታት ኣብነታት ኢዮም፡፡ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፋሺሽት ጣሊያን ኣብ ዝተረረትሉ እዋን ዝተፈላለዩ ሓርበኛታት መራሕቲ ጦር ወዲቦም ኣብ ዱርን ገደልን ዘሚቶም ነይሮም፡፡ ጣሊያን ተሳዒሩ እንትምለስ ዝተረፉ ናብ ሰራዊት ምክልኻል እንትኣትዉ፣ ካልኦቶም ናብ ሲቪል ህይወት ተመሊሶም ኢዮም።

ሕዚ እውን ፍሉይ ሓይሊታ ክሳብ ሎሚ ንዝሃቡዎመ ኣገልግሎት ኣመስጊንና፣ ናብ ካልኦት ውዳበታት ፀፅታ ነካትተሉ እዋን ንርከብ፡፡ እዚ ውሳነ ብኹሎም ኣመራርሓ ክልላት ብሓባር ዝተወሰነን ብሓባር ዝትግበርን ኢዩ፡፡ መብዛሕተኦም ክልላት ሰራዊት ብምምሕዳር ዘኽእል ዓቕሚ ኢኮኖሚ የብሎምን፡፡ ኩለን ንምባል ብዘኽእል ብርኪ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ካብ ዝወሃቦም በጀት ንፍሉይ ሓይሎም ዝጥቀሙ ኢዮም። ናይ እከለ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ጥራሕ ዕጥቁ ክፈትሕ ኢዩ፤ ናይ እከለ ክልል ይፅናሕ ተባሂሉ፤ ንእከለ ህዝቢ ንምጉዳእ ዝተገበረ ኢዩ ዝብሉ ምድንጋራት ዝነዝሑ ኣካላት ፍርቆም ብዘይፍላጥ ዝበሉዎ እንትኸውን፥ ዝተረፉ ድማ ዕላመኦም ህዝቢ ካብ ምህዋኽ ዝዘለለ ኣይኮነን፡፡ ውሑዳት ዘይበሃሉ እውን ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ክፈርስ ኣለዎ ኢሎም እንትፅሕፉን እናተከራኸሩ ዝነበሩ ኢዮም፤ ብዕቱብ እንተፈቲሽማዮ ድማ ይኹን እንትበሃሉ ኣይኸውንን፣ ይትረፍ እንተበልካዮም ይኹን ናይ ምባል ልምዲ ዘለዎም ኮይኖም ንረኸብም።

ድሕሪ ሕዚ ክልላት ሓይሊ ፖሊሰን ኣጠናኺረን ገበን ኣብ ምክልኻልን ከበቢያዊ ፀፅታ ኣብ ምኽባርን ጥራሕ ከድህባ ኢየን፡፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዝፍኖ፣ ዶብ ሃገር፣ ህልውናን ሉኣላዊነትን ዝዳፈር ሓይሊ እንትለዓል ድማ ሰራዊት ምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ፡፡ ነዚ ዝኸውን ኣወዳድባ እውን ኣብ ተግባር ውዒሉ ኣሎ።

ንሕንሕን ምትሕብባርን ክልላት ኣብ ህንፀት ፍሉይ ሓይሊ ዘይኮነስ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ዴሞክራሲያዊ ባህሊን ክኸውን ኢዩ፡፡ እዚ ውሳነ ንኢትዮጵያ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ሰላም ህዝቢን እንትበሃል ዋጋ ተኸፊሉ እውን እንተኾነ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ፡፡ እንተይተረደኦም ዝቃወሙ ንምርዳእን ንምእማንን ፃዕሪ ክንገብር ኢና፡፡ ኮነ ኢሎም ናይ ምፍራስ ግደ ኣብ ልዕሊ ዝፃወቱ ድማ ግቡእ ስጉምቲ ምኸርባር ሕጊ ክውሰድ ኢዩ፡፡ ነዚ ድማ እኹል ምድላው ተገይሩ ኢዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ዝምልከቶም ትካላትን ፈተውቲ ሃገር ኢትዮጵያውያንን፤ እቲ ውሳነ ዘለዎ ሃገራዊ ረብሓን ዘምፀኦ ዘላቒ ረብሓን ኣብ ግምት ብምእታው ንተግባራዊነቱ ርብርብ ክትገብሩ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.