Fana: At a Speed of Life!

ካብ ድፋዓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ትካላት ሓገዝ ብስም ተሓገዝቲ ዘእተውዎም ናውቲታት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ድፋዓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ትካላት ሓገዝ ብስም ተሓገዝቲ ዘእተውዎም ናውቲታት ከምዝተረኸቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዓሊሙ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተሉ ግንባር ወልቃይት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ራዕዲ የዋግኡሎም ኣብ ዝነበሩ ድፋዓት ኢዩ እቲ ናውቲታት ተረኺቡ።

ትካላት ሓገዝ ንዝተፀገሙ ወገናት ዘልግስዎ ምግቢ ቅድመ ሐዚ ብተደጋጋሚ ይጥቀም ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ቀረባ እዋን “ኮርን ሶያ ብሌንድ” ዝተብሃለ ህፁፅ ሕፅረት ምግቢ ንምሕካም ዝሕግዝ መምርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምምላእ ዝተዳለወ ሃናፂ ምግቢ ንዕጡቓቱ ከምዝተጠቐመ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ዜጋታት ብጥምየት ኣብ ዝሳቐይሉ እዋን ንሱ ግን ኣብ ድፋዕ ከዚኑ ንዕጡቓት እናቐለበ ከምዝዋገአሉ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.