Fana: At a Speed of Life!

ካብ ደጀን ክሳብ ግምባር መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ኢና – ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ደጀን ክሳብ ግምባር ክንከፍሎ ዝግባእ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፥ ኣብ ወፍሪ ህልውና ዝጀመሩዎ ምንቅስቓስ ንምውዳድ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።

“ኣብ ታሪኻዊ ምዕራፍ ቃልሲ ንርከብ” ዝበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙ፥ “ኩልና ዘለትና ሓንቲ ሃገር ካብ ወራሪ ፀላኢ ናይ ምድሓን ሓበራዊ ሓላፍነት ኣለና” ኢሎም።

ብሓደ ደው ኢልና ብምቅላስ ታሪኻዊ ዓወት ካብ ምምዝጋብ ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ የብንና ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፀላኢ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ምድምሳስ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ብድሕሪ እቲ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ብዙሓት ተዋሳዝቲ ከምዘለዉ ብምሕባር እውን ናይዞም ዘይግቡእ ኣካይዳ ብምምራሕ ሉኣላዊ ክብሪ ሃገር ንምሕላው ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ሃገር ካብ ፀላኢ ምሕላው ሓላፍነት መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት፥ ዝተኸፈተልና ኲናት ከም ህዝቢ ስለዝኾነ ብሓደ ከም ህዝቢ ተወዲብና ምምካት ይግበአና ክብሉ ኣብሪሆም።

ስልጣን ብመረፃ እምበር ብኲናት ኣይመፅእን ዝበሉ እቶም ኣመራርሓታት፥ ከጥፈአና ዝመፅ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ዓቕምናን ሓይልናን ብምትእኽኻብ ናብቲ ሓይሊ ክንዘምት ኣለና ምባሎም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.