Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ናብ ትግራይ ተላኢኹ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ናብ ትግራይ ከምዝተለኣኸ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚነሲትር ኣፍሊጡ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ሚኒስቴር 87 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ልዕሊ 783 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲን እውን ተላኢኹ ኢዩ።

ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን ንጋዜጠኛታት ወፃኢ መብርሂ ሂበን፡፡

ኣብ መብርሂአን ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈጠረ ጎንፂ ተተሓሒዙ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣብሪሀን።

ብመሰረት ዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ሓምለ 2021 ክሳብ  2022 መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ጥረ ገንዘብ ናብ ትግራይ ከምዝተለኣኸ ተዛሪበን፡፡

ብተወሳኺ 87 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢን ልዕሊ 783 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲን ከምዝተለኣኸ ገሊፀን።

ይኹን እምበር ህወሓት ቀፃሊ እዋን ዝናብ እናመፅአ ኣብ ዝርከበሉ ግዘ ንኻሊእ ኲናት እናተዳለወ ከምዝኾነ ብምሕባር ህዝቢ ብሓይሊ ናብ ኲናት እናመልመለ ከምዝኾነ ሓቢረን።

እቲ ናይ ህወሓት ኣረመኔያዊ ተግባር ቀፃሊ ስራሕቲ ሕርሻ ከምዘተዓናቕፍን ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘበኣእሶን ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.