Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ልዕሊ 238 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ልዕሊ 238 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተተሓዘ በጀት ዓመት ናይ መጀመርያ መንፈቕ ዓመት÷ ካብ ዓውዲ ኣፍረይቲ 265 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ልዕሊ 238 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ክርከብ ተኻኢሉ እዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ናይቲ ትልሚ 89 ነጥቢ 8 ሚኢታዊት ክሳኻዕ ከምዝተኸኣለ፤ ኣፈፃፅምኡ እውን ካብ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንተነፃፀር 50 ነጥቢ 77 ሚሊየን ዶላር ወሰኽ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል÷ እቲ ዓውዲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ውሽጢ ዋላ’ዃ እንተኾነ፤ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ኣብ ዝተሰርሑ መመሓያሺ ስራሕቲ ዝሐሸ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ገሊፆም።

ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር፤ ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ምስ ሓለፍቲ ቢሮ ኣመሓደርቲ ከተማን ክልልን እቲ ዓውዲ፣ ምስ ኮሚቴታት ቆዋሚ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ካልኦት ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ከተማ ደሴ እናገምገመ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.