Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታወታት ዕደና ብናይ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ይስራሕ ኣሎ – ኢንጂነር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታወታት ዕደና ብናይ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ኢንጂነር ታከለ ኡማ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ቅድሚ ሕዚ ንዘፈር ዕደና ዝዋሃቦ ትኹረት ትሑት ምዃኑ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ረብሓ ከይትረክብ ምግባሩ ኣብሪሆም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሃገር ክሳብ ሕዚ ካብ መዓድን ዝስርሑ እታወታት ብኽባር ዋጋን ሸርፊ ወፃኢን ካብ ወፃኢ ሃገራ ከምተእቱ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ዋጋ እናተኸፈለሎም ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ እታወታት ብውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ እምኒ ፈሓም ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ዘኽእሉ መብዛሕተኦም ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝገለፁ እቶም ሚኒትር፥ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም እቲ ፍርያት ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም፡፡

ፍረያት ሴራሚክ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ናይ ምእታው ከይዲ ጠጠው ንኽብል ኣብ ዘኽእል ደረጃ ከምዝተበፅሐ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ዘፈር ኮንስትራክሽን ልዑል ማሕለኻ ኮይኑ ዝዘለቐ ፍርያት ሓፂን ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ዓብዪ ትልሚ ተታሒዙ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.