Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ዝተገዝአ 16 ሚሊየን ሊትር ዘይቲ ብልዒ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ሃገር ክኣቱ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወፃኢ ዝተገዝአ 16 ሚሊየን ሊትር ዘይቲ ብልዒ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ሃገር ከምዝኣቱ ትካል ልምዓት እታወታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ወ/ሮ የሺመቤት ነጋሽ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ÷ በቢእዋኑ እናወሰኸ ዝመፅአ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋእ ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብፍላይ ዋጋ መሰረታዊ ጠለብ ኣቑሑት ንምርግጋእ እቲ ትካል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ዝስትውዓለሎም ፍርያታት ካብ ወፃኢን ካብ ውሽጢ ሃገርን ብምግዛእ ብተመጣጣኒ ዋጋ እናቕረበ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ብልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ 16 ሚሊየን ሊትር ዘይቲ ብልዒ ዕድጊት ካብ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈፀመ ተዛሪበን፡፡

እቲ ዘይቲ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ብተመጣጣኒ ዋጋ ንኹለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታታትን ከምዝከፋፈል እውን ገሊፀን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.