Fana: At a Speed of Life!

ካብ ክልተ ኮኾብ ንላዕሊ መዓርግ ንዘለዎም ጄኔራል መኮንናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ቦታ ስነ ስርዓት ዕፃ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብዙሕ ዓማውቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ብጅግንነት ንዘገልገሉ ካብ ክልተ ኮኾብ ንላዕሊ መዓርግ ንዘለዎም ጄኔራል መኮንናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ቦታ ስነ ስርዓት ዕፃ ተሳሊጡ።

ከይዲ እቲ ህንፀት በቲ በዓል ዕድልን ሚኒስቴር ምክልኻልን ናይ ሓባር ወፃኢ መምርሒን ኣሰራርሓን ዝፍፀም ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝበልዎ፥ ዝተረፉ በዓል ሓደ ኮኾብ ጀነራላትን ሲንየር ኮለኔላትን  ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት መንበሪ ገዛ ንክህልሆም ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ መርሃ ግብሪ እንትፍፀም ካብ ላዕለዋይ መዓርግ ጀሚሩ ናብ ላዕሊ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ተጠቀምቲ ዝገብር ሓዱሽ ኣሰራርሓ ኢዩ ኢሎም።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ እቲ መርሃ ግብሪ ንክዕወት ዘድሊ መሬት ኣብ ምድላው ንዝገበሮ ልዑል ደገፍ አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.