Fana: At a Speed of Life!

ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሞጣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጓዓዝ ዝነበረ መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 10 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ካብ ከተማ ሞጣ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣቶብስ መመላለሲት ህዝቢ ምስ ገልባጢት ከቢድ ፅዕነት መኪና ተጋጭያ ህይወት 10 ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ሰዓት 11ን ፈረቓን ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ካብ ሞጣ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣቶብስ መመላለሲት ህዝቢ ንመመላኽዒ ስራሕቲ መንገዲ ዝኸውን እምኒ ፅዒና ብተፃራሪ ኣንፈት ትጓዓዝ ምስ ዝነበረት ገልባጢት ከቢድ ፅዕነት ተሸከርሃሪት ተጋጪያ ዘጋጠመ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ገናሒ ናይታ ኣውቶቡስ ሓዊሱ ህይወት 10 ሰባት ምሕላፉ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎንቻ ሲሶ እነሴ ኣይተ ተምስገን ይበልጤ ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣምሓራ ተዛሪቦም።

ሹፈርን ሓጋዚን ናይታ ገልባጢት መኪና ከምዘይተረኸቡ እውን እቶም ኣመሓዳሪ ገሊፆም።

ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ኣብ ከተማ ሞጣን ከተማ ግንደወይንን ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ቀሊል ጉድኣት ዘጋጠሞም እንትኸውን፥ ከቢድ ጉድኣት ዘጋጠሞ ሓደ ተጓዓዚ ንዘሐሸ ሕክምና ናብ ባህርዳር ሆስፒታል ጥበበ ግዮን ከምዝተለኣኸ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.