Fana: At a Speed of Life!

ካብ ካራ ቆሬ ክሳብ ከሚሴ ዘሎ ልዑል መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ፅገና ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ካራ ቆሬ ክሳብ ከሚሴ ዘሎ ልዑል መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ፅገና ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ላዕለዎት መስመራት መመሓላለፍቲ ሓይሊን መከፋፈሊ ጣቢያታታትን ምስ ኔትዎርክ መስመራት ፈነወ ክራኸቡ ብምግባር ብርብር እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ ከሚሴ ዝርከባ ከተማታት ሓይሊ ክረኽ ዝኸኣላ፡፡

ካብ ደብረ ብርሃን ኮምቦልቻ ዘለዋ ከተማታት ብ132ን 230 ኪሎ ቮልት መስመር ሓይሊ እናረኸባ ዝነበራ ይኹና እምበር ልዑል ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ ተባሂሉ።

ይኹን እምበር ሓይሊ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ብቅልጡፍ ሓይሊ ክረክብ ንምግባር ልዐዑል ጉድኣት ዝበፅሖ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ንግዚኡ ብምፅናሕን እቲ በዓል 132 ኪሎ ቮልት መስመር ብህፁፅ ብምፅጋንን ካሳብ ከሚሴ ዘለዋ ከተማታት ሓይሊ ረኺበን።

ስራሕቲ ፅገና ቀፂሉ ናብ ከተማ ደሴ ክሳብ ሃርቡ ዘሎ ከባቢ መስመራት ናይ ምፅጋን ስራሕ እናተኻየደ ከምዝኾነ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.