Fana: At a Speed of Life!

ካብ እብናት ናብ ሰቆጣ እናተጓዘ ዝነበረ ኣብቶቡስ መመላለሲ ህዝቢ ተገልቢጡ ክሳብ ሕዚ 20 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ እብናት ናብ ሰቆጣ እናተጓዘ ዝነበረ ኣብቶቡስ መመላለሲ ህዝቢ ተገልቢጡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ክሳብ ሕዚ 20 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፖሊስ ትራፊክ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ ካብ ዓምደወርቅ ውፅእ ኢሉ ኣቦ መገንፀሊ መገዲ ኣብ ትበሃል ቦታ እቲ ኣውቶብስ ብግምት 200 ሜትሮ ዝኸውን ገደል ብምእታዉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፖሊስ ትራፊክ ክልል ኣምሓራ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝሓበሮ፥ ብዝበፅሐ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ህይወት 20 ሰባት እንትሓልፍ፥ 6 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢሙ፡፡

ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእልን መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.