Fana: At a Speed of Life!

ካብ ንግዲ ወፃኢ ቅመማቕመም 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰኒ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ቅመማቕመም 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣዱኛ ደበላ (ዶ/ር)፤ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 50 ቅመማቐመማት ከምዝፈርዩን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 16 ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዝቐርቡን ኣብሆም፡፡

ከም ኮረሪማ፣ ዕርዲ፣ ጥምዝ፣ ቁንዶ በርበረን በርበረን ዝበሉ ቅመማተ ተፀራሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ናብ ዝተፈላለያ 39 ሃገራት ከምዝለኣኹ እው እቶም ዋና ዳይሬክተር ፀሪሖም፡፡

ኣብ 11 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 8 ሺሕን 400 ቶን ቅመማቕመም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብምልኣኽ፤ 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.