Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሱዳን ብኣልምሃል ሸሊኹ ንምእታው ዝሞከረ ናይቲ ጁንታ ተቖፃሪ ሓይሊ ተደምሲሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሱዳን ብኣልምሃል ሸሊኹ ንምእታው ዝሞከረ ናይቲ ጁንታ ተቖፃሪ ሓይሊ ብጅግና መከላከያ ሰራዊት ተደምሲሱ።

በዚ ተልእኾ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምትዕንቓፍ ብሱዳት ሸሊኹ ንምእታው ዝሞከሩ 50 ናይቲ ግብረ ራዕዲ መልእኽተኛታትን ናይ ጁንታ ተቖፀርቲን እንትድምሰሱ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ድማ ቆሲሎም።

ናይ መተከል ዞባ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኮማንድ ፖስት ናይቲ ኦፕሬሽን ዘርፍ ኣተሓባባሪ ኮሎኔል ሰይፈ ኢንጊ፥ እቲ ተቖፃሪ ሓይሊ ዝተፈላለዩ ፀረ ሰብን ፀረ ተሽከርከርቲን ፈንጂታት ንምፅማድ ዝሞከረ እንትኸውን ምፅዋር ተሳኢኑዎ ተበቲኑ ኢሎም።

እቲ ፀላኢ ኣዘናጊዑ ነቲ ከባቢ ንምትርማስ እንተተንቀሳቐሰ እውን ናይ ፀላኢ ምንቅስቓስ ካብ መበገሲኡ ብንቕሓት እንትከታተሉ ዝነበሩ ናይ መከላከያ ሰራዊት ክፍሊታት ተዋዲዶም ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኢዮም ገሊፆም።

እቲ ሓይሊ ፀላኢ ዝኸኣሎ እኳ እንተተኸላኸለ ብ ጅግና ሰራዊት ላዕለዋትነት ተወሲዱዎ ዝተረፈ ሓይሊ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሉ ከምዝሃደመ ምዝራቦም ካብ መከላከያ ሰራዊት ረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.