Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሰደድ ወፃኢ ዓውዲ ሆርቲካልቸር ልዕሊ 216 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋረሕ 2017 ዓ.ም ካብ ሰደድ ወፃኢ ዓውዲ ሆርቲካልቸር 216 ሚሊየንን 655 ሺሕን 430 ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ነግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ኣፍሊጡ።

ኣብቶም ኣዋርሕ 45 ሺሕን 878 ነጥቢ 51 ቶን ዕንበባ ብምልኣኽ 186 ሚሊየንን 361 ብር ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ  121 ሺሕን 61 ነጥቢ 74 ቶን ኣትክልቲን ፍራምረን ብምልኣኽ 30 ሚሊየንን 294 ሺሕን 120 ዶላር ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

ኔዘርላንድ፣ ስዑዲ ዓረበን  ዩናይትድ ኪንግደምን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዕንበባ ዝተልኣኸለን ሃገራት ኢየን ተባሂሉ።

ኣትክልቲ ሰደድ ብምግባር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝሓዛ ሃገራት ድማ፥ ሶማሊያ፣ ጂቡቲን ኔዘርላንድስን ከምዝኾና ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.