Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጡሮታ ዝተሰናበቱ ኣባላት ብምትሕብባርን ብምምልማልን ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንክሕወሱ ክገብሩ ዝፀንሑ ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጡሮታ ዝተሰናበቱ ኣባላት ብምትሕብባርን ብምምልማልን ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንክሕወሱ ክገብሩ ዝፀንሑ ኣርባዕተ ነበር መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ብምፍራስ ገበን ተጠርጢሮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ኮሎኔል ምሩፅ በርሄ፣ ኮሎኔል ገብረመድህን ገብረመስቀል፣  ኮሎኔል ተስፋዬ ሃጎስን ኮሎኔል መብራቱ ተድላን ኢዮም፡፡

መርማሪ ፖሊስ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተውሃቦ 12 መዓልታት ውሽጢ ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ንመጋባእያ ኣቕሪቡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ሜጄር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ (ወዲ ነጮ) ብምዃን ርክብ ኔት ዎርክ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ብምቁራፅ ተሳትፎ ከምዘለዎም ብምስክር ሰበን ብቴክኒክ ምርመራን ብመረዳእታ ከምዘረጋገፀ ገሊፁ።

ቃል ምስክርነት 8 ሰባት ከምዝተቐበለ ዝሓበረ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ትካላትን ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት ፈሊዩ ብመረዳእታ ብምርግጋፅ ምስቲ መዝገብ ከምዘተሓሓዘ ሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ ምስቲ ገበን ርክብ ከምዘይብሎም ብምሕባር ተሳትፎ ገበኖም ተፈሊዩ ዘይምቕራቡ ብምሕባር ብነፃ ወይ ብዋሕስ ንክወፅኡ ሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ እውን ናይ ሕድሕዶም ተሳትፎ ዘብረሀ እንትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣብ ዝሰርሕሉ ናይ ሓለዋ ስራሕ ናይ ባዕሎም ኣባላት መልሚሎም ኣብ ትካላት ፌዴራል መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ከምዝነበሩ ብዝኣከብክዎ መረዳእታ ኣረጋጊፀ ኢየ ኢሉ።

ካልኣይ ተጠርጣሪ ክልተ ግዘ ኣብ ዝተዋፈርሉ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኣባላት ብምውዳብ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንክሕወሱ ከምዝገበሩ መረዳእታ ከምዝኣከበ ብምሕባር፥ ሳልሳይ ተጠርጣሪ እውን እቲ ገበን እንትፍፀም ኣብ ሕክምና ነይሮም ብዝብል ብሓለወኦም ንዝተልዓለ መቃወሚ ሓሳብ መርማሪ ፖሊስ እቲ ገበን እንትፍፀም ጥራሕ አንተይኮነስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ንጉጅለታት ፀረ ሰላም መረዳእታ እንተቐብሉ ከምዝነበሩ እውን መረዳእታ ከምዝኣከበ ኣረዲኡ።

ራብዓይ ተጠርጣሪ ምስ ሜጄር ጀኔራል ገብረመድህን ብምርኻብ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጡሮታ ዝወፅኡ ሰባት ብምእካብ ንኣባልነት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ እንትምልምሉ ከምዝነበሩ መረዳእታ ከምዝኣከበ ኢዩ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕድ ሕዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ከምዘፃረየ ሓቢሩ።

ናይ ክልቲኦም ክርክር ዘዳመፀ እቲ መጋባእያ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ህፁፅ ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎም ብምሕባር ፖሊስ ምርመርኡ ብህፁፅ ንክፍፅም ትእዛዝ ሂቡ።

ንተወሳኺ ምርመራ ንፖሊስ 10 መዓልታ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.