Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሞያ ስነ-ምግባር ፖሊስ ወፃእ ድብደባ ዝፈፀሙ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሞያ ስነ-ምግባር ፖሊስ ወፃእ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ውልቀ ሰብ ድብደባ ዝፈፀሙ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ወረዳ 2 ፍሉይ ሽሙ ከባቢ ሚኪኤል ኣደባባይ ትማሊ 21 መስከረም 2014 ዓ.ም ረፋድ ሰዓት ሓሙሽተ ም/ኢ/ር ጃፋር ዓሊን ኮንስታብል መስፍን በተለን ዝተብሃሉ ኣባላት ፖሊስ ጣቢያ ከባቢ ቆሬ፥ ንሓንቲ ውልቀ ሰብ ብዘነውር ኩነታት ብምድብዳቦም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒለን ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝርከብ ፖሊስ ገሊፁ።

ንህዝቢ ብሰብኣዊነት ምግልጋል መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ እናተፈለጠ፥ ዝተወሰኑ ኣመራርሓታት ግን ነዚ መምርሒ ብምትሕልላፍ ዝፍፅሙዎ ዘይሕጋዊ ተግባር በቲ ትካል ዘይሕለፍ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ምስዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብ 2013 ጥራሕ ዝተፈላለዩ ጥፍኣታት እናፈፀሙ ዝተረኸቡ 171 ኣመራርሓታትን ኣባላትን ፖሊስ ካብቲ ሰራዊት ንኅናበቱ ከምዝገበረ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ እቶም 29 ኣባላት ምስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተተሓሓዘ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.