Fana: At a Speed of Life!

ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ 15 ክሳብ 22 ግንቦት 2012 ዘካይዶ ዝነበረ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ስለዝኾነ እዚ ዝስዕብ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ ብቕልጡፍ እናተለዋወጠ ዝመፅእ ዘሎ ኩነታት ዓለም፣ ከባቢናን ሃገርናን ሓዊሱ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ክልልና፣ ስግኣት ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስን መኸትኡን፣ ከይዲ ምዕሟቕ ዲሞክራሲ፣ ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስትን ውድብን ከምኡ እውን ኣብ መዳይ ምሕደራ ዝትኣታተው ዘለው ለውጥታት ኣመልኪቱ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ፡፡

ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ወይ ኮቪድ 19 ስዒቡ ዝግሃድ ዘሎ ሓዱሽ ዓለማዊ ኩነታት ንኣድላይነትን ትኽክለኛነትን ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መስመር ዘረጋገፀ እዩ፡፡ ቀደሙ እውን ስግግር ስልጣን መንግስቲ ብሒትካ ፀቢብ ጥቕምኻ ምርዋይ ስለ ረብሓ ሓፋሽ ንፃት እውን ዘይግደስ ፅግዕተኛውልቀ መላኺ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዱሽ ዓለማዊ ኩነታትን ፈተናን ንዓርሱ ኣመዓራርዩ ሳላ ህዝባዊ ቃልስን መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ዝተመዝገቡ መስተንክራዊ ዓወታት ልምዓትን ዲሞክራስን 20 ግንቦት ኣጠናኺሩ ዘቐፅል መንገዲ ጥፍኣት ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ጉጅለ ‘ብልፅግና‘ ልኣላውነትን መሰረታዊ ዝብሃሉ ጥቕምታት ሃገርን ንመሸጣ ብምቕራብ፣ ሕገ መንግስትን ስርዓትን ከምኡ እውን ኩሎም ዓይነታት ኣብ ቅድሚኡ ዝፀንሑዎ ሕግታትን ንቡር ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓታትን ብምጥሓስ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ካብ ምውሳን ሓሊፉ ስርዓትን ሕግን ኣኽቢሮም ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ኣካላት ቅሉዕ ኵናት ናብ ምእዋጅ ተሰጋጊሩ ይርከብ፡፡ ዋላ እኳ ፈኸራታትን ሽርሕታትን እዚ ጉጅለ ኣብ ኣካይዳና ይኹን ህዝባዊ ቃልስና ተወሳኺ ሕራነን ሓቦን ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ካልእ ፋይዳ ዘለዎም ከም ዘይኮኑ ግሁድ እንተኾነ ንፀቢብ ረብሓ ክብሃል ረብሓ ሃገርን መላእ ህዝብታትን ናብ ገደል ደፊኡ ከፅድፍ ‘ብልፅግና’ ክንደየናይ ድልዊ ከም ዝኾነ ንኹሉ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብግዝያዊ ረብሓ ወይ ፅልኣት መጋበሪያ እዚ ስርዓት ንምዃን ሞየኦምን ስብእንኦምን ኣሕሊፎም ዝሃቡ ኣካላት ኣብ ቅድሚቱ ኣሰሊፉ ብቕሉዕ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ከም ዝፀንሕ ዕላዊ ዝገበረ ጉጅለ ምልኪ ንኸምስል እኳ ውሳነ ክህቡ እዮም ዝተብሃሉ ትካላት ዝብልዎ ክሳብ ዝሰምዕ ዓቕሊ ክገብር ኣይክኣለን፡፡ ብኽንድ’ዚ ናህሪ ናብ ጥፍኣት ዝሕምበብ ጉጅለ ዘመሓድሮ መንግስቲ ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይንካ መሰረታዊ ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት ምዕዋትን ገጢሙና ዘሎ ፈተና ኮረና ቫይረስ ምምካትን ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝኾነ ኩሉ ክግምቶ ዝኽእል እዩ፡፡

ይኹን ድኣእምበር ወትሩ እውን እንተኾነ ህልውንኡን ምርግጋፅ ረብሕኡን ኣብ ቅልፅሙን ርትዓዊ ኣተሓሳስብኡን ምዃኑ ብጭቡጥ ታሪኹን ቃልሱን ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ ህዝብና ንቶም ቀፀልትን ዘይትኣደኑን መጥቃዕታት ፅግዕተኛታት ተፃዊሩ መኸትኡ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ከም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኣለና፡፡ ውድብ ህወሓት ህዝብና የካይዶ ንዘሎ ፈተኽ ዘይብል ቀፃሊ ቃልሲ ዘለዎ ልዑል ኣድናቖት እናገለፀ ንቐፃሊ እውን ኩነታት ብጥቡቕ እናገምገምና እነሕልፎም ውሳነታት ብንቕሓት ከም ዝከታተልን ዝፍፅምን ናይ ትማሊ ይኹን ሎሚ ታሪኽና ምስክር እዩ፡፡ እነካይዶ ብዘለና ውዑይ ቃልሲ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ተስፋ ዘስንቑን ንቐፀልቲ ዓወታት ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥሩን ውፅኢታት እናተመዝገቡ እዮም፡፡ እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ሕዚ እውን ንህዝብና ዘየዕገብናሎም ብዙሓት ጉዳያት ከም ዘለው ብዕቱብ እንርድኦ ሓቂ እዩ፡፡

ምስ ህዝብናን መሪሕ ውድቡን ፊት ንፊት ምግጣም ምስ ሓፂን ምልታም ዝኾኖም ፅግዕተኛ ጉጅለን ሰዓብቱን ብቐንዱ ብዝተዋደደ ወፍሪ ሚድያ ዝተደገፈ ቅሉዕ ሕሶት ብምምርኳስ ካብኡ ሕልፍ እንተይሉ ድማ መጠኖም ወይ ፋይድኦም ብዘየገድስ ኣብ ውሽጥና ዝፍጠሩ ጉድለታት ከም ምኽንያት ብምጥቃምድኽነት ንምቅላስን ልምዓት ንምምፃእን ክውዕል ዝግብኦ ዘይተኣደነ ሃፍቲ ሃገር ኣፍሲሶም ባንዳታት ብምውፋር ውሽጣዊ ሰላምና ብምዝራግን ልምዓትና ብምኹላፍን ናብ ደልሃመት ከእትውና ይሰርሑ ከም ዘለው ኩሉ፤ ብፍላይ ድማ ህዝብና፤ ዝርድኦ ጉዳይ እዩ፡፡

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ተኣናፊ ኩነታት ኮይንና ብሓደ ኢድና ኩለመዳይ መኸተና እናሐየልና ብኻሊእ ወገን ድማ ቅልጡፍ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምስፋን፤ህዝብና፣ መላእ መሓውርና፣ ኮታስ ፈታዊ ልምዓትን ሰላምን ዝኾነ ሓይሊ ኩሉ ክረባረበሎም ዝግብኡ ጉዳያት ምዃኖም ብምርግጋፅ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2012 ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ ዘሕለፎም ውሳነታትን ኣንፈታትን ብምፃዳቕን መሰረት ብምግባርን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ፤

1. መኸተ ኮረና ቫይረስ ከምቲ ክሳብ ሕዚ እውን እናተገበረ ዝፀንሐ ሓደሽቲ ምዕባለታት፣ ጭቡጥ ኩነታት ክልልናን ሳይንሳዊ መረዳእታታትን መሰረት ብምግባርን ቁጠባዊ ጉድኣቱ ብዝንኪ መንገድን እናተገምገመ ብጥብቂ ክምራሕ ተወሲኑ ኣሎ፡፡

2. ጉጅለ ‘ብልፅግና’ ካብ ጎሮሮ ድኻን ልምዓትን መንጢሉ ዘይትኣደነ ሃፍቲ እናፍሰሰ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክትሕመስ፣ ብዶክመንተሪ ፊልምታት ዝተሓገዘ ፃውዒት ምፅናት ዘርኢ ክካየድን ኩሎም መሰላት ክርገፁን ዝገብሮ ዘሎ ዕሙት ፀረ ህዝብን ስልጣን ብገንዘብ ናይ ምዕዳግን ተግባር ደው ከብል ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ መንገዲ ጥፍኣት ወፅዩ ብሕገ መንግስቲ መሰረትን ተሳትፎ ዝምልከቶ ኩሉ ብዘረጋግፅ መልክዑን ናብ ምኽንያታዊ ምይይጥ ክኣቱን መሊኡ ከይረፈደ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምፍራስ ክቑጠብን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ፡፡

3. ሙሉእ ምድላውን ጥንቃቐታት ምውሓስ ጥዕና ህዝብን ተገይሩሉ ብሕገ መንግስትን ዝተዘርግሐ ስርዓትን መሰረት ንኹሉ ብማዕረ ክርኢ ዝኽእል ሓይሊ ዝመርሖ ሃገራዊ መረፃ ኣብ እዋኑ ክካየድ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደጊሙየተሓሳስብ፡፡

4. መረፃ ብብርኪ ሃገር ይኹን ክልልና ኣሻሓት ህይወትን ሰፍ ዘይብል ዋጋን ዝተኸፈለሉ ሕገመንግስታዊ ውሕስና ዝረኸበ መሰል እምበር ዘይተኣደነ ድሌት ውልቀ መላኽነት ዘለዎ ጉጅለ ብወነኑ ዝተኹቦ ወይ ዝኸልኦ ምፅዋት ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ እውን መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብመስዋእቱ ዘረጋገፀ፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ልዕሊኡ ኮነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ባርነት ክነግስ ዘይፈቅድ ህዝቢ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቱ ዘረጋገፆም መሰላቱ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ወይ ኩነታት ንዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይቐርብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣስሚሩሉ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ብውልቀ መላኽነት ብሒቱ ዘሎ ሓይሊ ብቲ ልሙድ ኣካይድኡ ንመሰል ህዝብታት እናረገፀ ዝኸደሉ ኩነታት ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ስለ ዘሎ ህዝብና ብመስዋእቱ ዘረጋገፆን ናይ ዝኾነ ሓይሊ ፍቓድ ዘይሓተሉ፤ብሕገ መንግስትናን ዓለምለኸ ሕግታትን እውን ኣፍልጦ ዝተውሃቦ፤መሰል ዓርሰ ምሕደርኡ ብተግባር ንምትርጓም ኣብ ክልልና መረፃ ንኽካየድን ተጀሚሮም ዘለው ምድላዋት ብሕጊ መሰረት ተጠናኺሮም ክቕፅሉን ወሲኑ ኣሎ፡፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ እንትውስን ብባህሪ ጉጅለ ‘ብልፅግና’ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምፍራስን ሃገር ናይ ምብታንን ከይዲ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ይበፅሕ ምህላው ይግንዘብ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንማዕርነታዊ ሓድነት መዘና ኣልቦ መስዋእትነት ዝኸፈለ እምበር ናይ ሃገርና ረብሓ ኣሕሊፉ ዝህብ ዘሎ ጉጅለ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ብዘይኣግባብ ንምንዋሕ ኣብ ዝገብሮ ሽርሒ ዕዙም ተሳታፊ ናይ ምዃን ድሌት ፈፂሙ ክህልዎ ኣይኽእልን፡፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ዘረጋገፀሎም መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ከም ዋዛ ከይስእኑ ቃልሶም ከሐይሉ ከም ዝግባእ ህወሓት ይኣምን፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ንዚ ተረዲኡ ኣወንታዊ ታራ ክፃወት ንላቦ፡፡

5. ጉጅለ ‘ብልፅግና’ መረፃ ንዘይምክያድን ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕን ዝወስዶም ዘለው ዘይሕጋዊ ስጉምታትን ሽርሕታትን ከይኣኸሎ ስራሕ ፈፃሚ ውድብና ኣብ ትግራይ ልዕልና ሕግን ስርዓትን ከም ዝቕፅልን ‘ብልፅግና’ መረፃ ንምትራፍ ይሰርሕ ስለ ዘሎ ድማ ብብርኪ ትግራይ ብሕጊ መሰረት መረፃ ንኽካየድ ውሳነ ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን መራሒ እቲ ጉጅለ ሕዚ እውን ንመሰረታዊ መሰላትን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታትን ጥር እትብል ክብሪ ከም ዘየብሉ ብዘርኢ መንገዲ ኣዋጅ ኵናት ዕላዊ ገይሩ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብፈኸራን ነጋሪት ኵናትን ንፃት እውን እንተኾነ ድምብሪፅ ከምዘይብልን መሰሉ ኣሕሊፉ ከም ዘይህብን መራሒ እዚ ጉጅለን ናይ ጥፍኣት መሓዝቱን ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ፡፡ ብሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን ኣዋጅ ኵናት ጉጅለ ‘ብልፅግና’ን መራሒኡን ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ጥፍኣት ብሕታውያን ተሓተትቲ ባዕልቶም ምዃኖም ህዝብታት ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክፈልጡ ይግባእ፡፡

6. ስራሕቲ ልምዓት፣ ምምዕባል ባህሊ ዲሞክራስን ኣብ ምሕደራ ዝተጀመሩ ለውጥታትን ብግዜ የለን መንፈስ ብዝበለፀ ናህሪ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ብልዑል ሓላፍነት ክሰርሕ ተወሲኑ ኣሎ፡፡ እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ መላእ ህዝብናን ኩሎም መሓውራትመንግስትን ውድብንንኣዝዩ ሕሱር ረብሐኦም ክብሉ ካብ ሃዲድ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣውፂኦም ናብ ዕግርግርን ጥፍኣትን ከእትውና ዝረባረቡ ዘለው ሓይልታት ብልፅግና፣ መወልቱን ተለኣኣኽቱን ንምምካት ዝተጀመረ ቃልሲ ንኽጠናኸር ተወሲኑ ኣሎ፤

7. ኣብ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን፣ ድሕንነት ህዝብናን ምውሓስ ሰላምን ሓቢሮም ንምስራሕ ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ሓይልታት ፖለቲካ ሃገርናን ክልልናን ዝተጀመረ ዝምድና ብቕልጡፍ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክሰግርን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ናብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ምርግጋፅ ድሕንነት ህዝብናን ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ክእቶን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ፡፡ ኣገዳስነት ቀፃልነት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን መንግስትን ተረዲእኹም እዚ ንምውሓስ ናይ ባዕልኹም ግቡእ ከም እትዋፅኡን ሰላማውን ሕጋውን ምንቅስቓስኩም ከም እተዕዝዙን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይኣምን፡፡

ፃውዒት ቃልሲ፤

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤ ንመሰላት ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ህዝብና ንምጥፋእዘይሕጋዊ ጉጅለ ‘ብልፅግና’ ዝኽተሎ ዘሎ ህንዱድ ኣካይዳን ምውጥዋጥ ኵናትን ሕጋውን ሰላማውን ቃልሲ ብምክያድ ንምምካት ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ብተጠንቀቕ ደው ክብልን ቃልሱን ውዳበታቱን ከሐይልን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ፡፡ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ህልውናናን መኸተናን ከብፅሖ ዝኽእል ፅዕንቶ ብምርዳእ ምኽሪ ሞያውያንን ኣንፈት መንግስትን ብጥብቂ ብምትግባር ህዝብና ግቡእ ትኹረት ሂቡ ክምክቶ ምስ ልዑል ሓደራ ንላቦ፡፡ ህልውናና፣ ሰላምናን ልምዓትናን ውሑስ ንምግባር ድማ ህዝብና ዘጋጥሙዎ ዘለው ፀገማት ተፃዊሩ ማእቶቱ ንምድንፋዕ ክረባረብፃውዒትና ደጊምና ነቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣባላት ውድብና ህወሓትን በቢ ብርኩ ዘለኹም ኣመራርሓን፤ እቲ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ካባኹም ዝጠልቦ ፅንዓትን መስዋእትን ብውነ ብምርዳእ ህዝብና ንምድሓን ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ቃልሲ መሪሕ ተራኹም ክትዋፅኡን መርኣያነትኩም ኣጠናኺርኩም ክትቅፅሉንማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ማሕበራት ሓፋሽን ሲቪክን ክልልና፤ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ንሰላምኩም፣ ልምዓትኩምን ዲሞክራሲኹምን ካባኹም ንላዕሊ ክሕለቕ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየሎ ተገንዚብኩም ኣብ ምንቅስቓስ መኸተ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕዋት መረፃ ቃልስኹም ብልዑል ናህሪ ክትቅፅሉ ንፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና፤ ኣንፃር ዓፈና፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጭቆናን መርገፅትን ኢሉ እውን ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ዓፀባ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ክትቅፅልሉ ንፅውዕ፡፡ ንመሰረታዊ መሰላት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ኣብ እትገብርዎ ቃልሲ ህወሓት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ጎንኹም ደው ከም ዝብል የረጋግፅ፡፡

ዝተኸበርኩም ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሃገርና፤ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ከስዕቦ ዝኽእል ሃገር ናይ ምፍራስን ህልቂትን ሳዕቤን ብውነ ተረዲእኹም ደው ክብል ብምግባር ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ንፅውዕ፡፡

ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሽኩም ትካላትን ክልላትን ሃገርና፤ ህዝቢ ዘቐድምን ሕገ መንግስቲ ዘኽብርን መንገዲ ክትክተሉን ኣብ ምፍራስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምስታፍ ክትቁጠቡን ንፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ትንቀሳቐሱ ዘለኹም ሕጋውያን ውድባትን ግደ ዘለኩም ሓይልታትን፤ እቲ ጭቡጥ ኩነታት ብህድኣትን ብመርትዖን ብምምርማር ጉጅለ ‘ብልፅግና’ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ደው ንኽብል ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡን ካብ ናይ ሕግን ታሪኽን ተሓታትነት ዓርስኹም ክተድሕኑን ንፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ደገፍቲ ቃልስና፣ ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሕዚ እውን ከም ትማሊ ሓበራዊ ፀገማትና ንምፍታሕ ቃልስናን ምትሕግጋዝናን ክነቐፅልን ዝበለፀ ክነጎልብትን ንፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ዓለምለኻውያን ትካላት ብፍላይ ከዓኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዝምልከተኩምን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ለውጢ ዝካየድ ዘሎ መስካሕክሒ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍራስ ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ሃገርን ብፅፁይ መረዳእታንልዑል መንፈስ ሓላፍነትን ብምምርማር ኣወንታዊ ግደኹም ክትዋፅኡ ንፅውዕ፡፡

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣት!
ድምቀት ንበዓል 20 ጉንበት!
ሕዚ እውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!
23 ጉንበት 2012 ዓ/ም
መቐለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.