Fana: At a Speed of Life!

ካብ መሸጣ ሓይሊ ልዕሊ 12 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጀመርታ መንፈቕ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ናብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ካብ ሞንጎ ዝቕረበ መሸጣ ሓይሊ 12 ቢሊየን 848 ሚሊየን 139 ሺሕ 990 ብር ከምዝተረኸበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ መሸጣ ሓይሊ 13 ቢሊየን 473 ሚሊየን 246 ሺሕን 943 ብር ንምርካብ ተሓሲቡ÷ ካብ መሸጣ ውሽጢ ሃገር 10 ቢሊየን 234 ሚሊየን 869 ሺሕን 88 ከምኡ እውን ናብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝተሸጠ ሓይሊ 2 ቢሊየን 613 ሚሊየን 270 ሺሕን 902 ብር ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ፍርያት ሓይሊ ዝገዝኣ ሃገራት ድማ÷ ጅቡቲ፣ ሱዳንን ኬንያን ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

ኣፈፃፅማ እቲ መንፈቕ ዓመት 95 ነጥቢ 36 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ንምፍራይ ዝተሃቀነ ሓይሊ 10 ሺሕን 788 ጊጋ ዋት ሰዓት ከምዝኾነን 9 ሺሕን 549 ነጥቢ 2 ጊጋ ዋት ሰዓት ምፍራይ ከምዝተኽል እውን ፀሪሖም፡፡

ብዮሓንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.