Fana: At a Speed of Life!

ካብ መላእ ዓለም ብምትእኽኻብ ዒድ ብሓባር ንምኽባር ዝቐረበ ፃውዒት ሓድነትና ነርእየሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ መላእ ዓለም ብምትእኽኻብ ዒድ ብሓባር ንምኽባር ዝቐረበ ፃውዒት ሓድነትናን ምትሕብባርናን ብተግባር ነርእየሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም በዓል ዒድ ንምዓል ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንምትእንጋድ ከምዝተሰናደአ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፥ በዓል ዒድ ኣብ ኢትዮጵያ ብድሙቕ ኩነታት ንምኽባር ዝተገበረ ፃውዒት ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።

“ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም በዓል ዒድ ሓቢሮምና ንምኽናር ንዝመፅኡ ኩሎም ክንቅበሎም ተዳሊና ኣለና” ኢሎም ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር፡፡

ብድርቂን ኲናትን ዝተጎድኡ ወገናት ብምትሕግጋዝ ሓገዝ ንምግባር ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥርን ዝተመዛበሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ዘዝርከቡ ወገናት ከምዝድገፉን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.