ካብ ሓንቲ ኣዶ 11 ነጥቢ 2 ኪሎ ዝምዘን ፅኪ ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ተወጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ኣርሲ ሆስፒታል በቆጂ ካብ ሓንቲ ኣዶ 11 ነጥቢ 2 ኪሎ ዝምዘን ፅኪ ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ከምዝተወገደ ተገሊፁ፡፡
ጓል 45 ዓመት ኣዶ እቲ ፅኪ ንሓሙሽተ ዓመታት ምስአን ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ፅኪ ብዕዉት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምስተወገደ ጥዕነአን ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ከምዝርከብ እውን ሜዲካል ዳይሬክትር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሃይላይ ተስፋዬ ገሊፆም፡፡
ብኣብደላ ኣማን