ካብ ሓምለ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት 72 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሐገዝ ናብ ትግራይ ተላኢኹ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት ካብ ሓምለ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት 72 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሐገዝ ናብ ትግራይ ከምዝተጓዓዓዘ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተኣጓጒለ ንኹጓዓዝ ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ኮሚሽን ምስ ኣጋር ኣካላትን ካልኦት ትካላትን ብምትሕብባር ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተይተጓጎለ ንኽለኣኽ ይገብር ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ብቐንዱ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛት፣ ነዳዲን መድሓኒትን ሓዊሱ ካልኦት ሓገዛት ናብ ትግራይ ከምዝተጓዓዓዘ ኣብሪሆም።
ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘለዉ እዋናት ልዕሊ 72 ሺሕን 485 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝተለኣኸ ገሊፆም፡፡
ካብ ሞንጎ እዚ እቲ ልዕሊ 61 ሺሕን 442 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ሃናፂ ምግቢን ሓገዝ ብዓፋር ኣቢሉ ከምዝተጓዓዓዘ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 11 ሺሕን 43 ሜትሪክ ቶን ዝኸውን ድማ ማይ፣ መሕለዊ ፅሬት፣ ክዳውንቲን ካልኦት ሓገዛትን ዘካተተ ሓገዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።