Fana: At a Speed of Life!

ካብ ልኡኽቶ ሰላም ኣብዬ ኢትዮጵያውነት ኣቐዲሞም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምስጋና ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዓለም ለኸ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ኣብዬ ኢትዮጵያውነት ኣቐዲሞም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ክብሪን ምስጋናን ከምዝግበኦም ተገሊፁ።

ማእኸል ምኽባር ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ካብ ኣብዬ ንዝተመለሱ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኮንቴንጀንት ሁርሶ ኣቀባብላ ዝገበረ እንትኸውን፥ ስለዝነበሮምኣፈፃፅማ ወፍሪን ቀፃሊ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሎም ሃገራዊ ልኡኽቶ ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ።

ነቲ ዘተ ዝመርሑ ሓላፊ መምርሒ እቲ ማእኸል ብ/ጀኔራል ጠቅላው ክብረት፥ “ሃገርኩም ወኪልኩም ኣብ ኣብዬ ዝነበረኩም ዓለም ለኸ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብዓወት ብምውፃእ ሽም ሃገርኩም ክብ ኢሉ ንኽፅዋዕ ገይርኩም ኢኹም፤ ምስጋና ይግበአኩም” ኢሎም።

ብ/ጀኔራል ጠቅላው ክብረት ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ኣፍረስቲ ሓይሊታት ብወፍሪ ሽርሒ ፕሮፓጋንዳ እንተይተበድሁ ንኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ብምምፀኦም ብስም እቲ ማእኸልን ሰራዊት ምክልኻልን ዘለዎም ክብሪን ምስጋናን ገሊፆም።

ኣፍረስቲ ሓይሊታት ናብ ትግራይ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተኣሲሮም፣ ተቐጢሎም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምዘጋውሑ ዝገለፁ እቶም ገነራል መኮንን፥ እቲ ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ሕሶትን ብሽርሒ ዝተቀነባበረን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል፥ ካብ ልኡኽቶ ሰላም ዝምለሱ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተወለድቲ ትግራይ ከምዝኾነ ይኹን ኣባል ሰራዊት ምክልኻል መሰሎምን ረብሐኦምን ናይ ምኽባር ግቡእን ሓላፍነትን ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.