Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ተውፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ተውፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ምክልኻል ዑደት ገይሮም።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ማርታ ሉዊጂ÷ ነቶም መናእሰይ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹ ኣቀባብላ ገይረናሎም፡፡

ኣማኻሪ ጉዳያት ስትራቴጂን ፍሉይ ሓጋዚን ሚኒስቴር ምክልኻል ታዬ ሙሉጌታ ነቶም ዑደተኛታት ኣብ ዘጎብነዩሉ እዋን÷ እቲ ሓዱሽ ህንፃ ብኣርባዕተ ኩርናዕ ቅርፂ ከምዝተሃነፀን ቅርፂ ዋልታን ቀስቲን ከምዝሓዘን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ህንፃ ንዘበኑ ዝምጥንን ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ስራሕቲ ንምስራሕ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ከምዘለዉዎነር ገሊፆም፡፡

እቶም መናእሰይ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ እቲ ህንፃ ባህሊን ታሪኽን ሓቒፉ ዝሓዘን ደጋዊ ምስሉ እውን ከምዘሕጎሶም ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.