Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ገበርቲ ሰናይ ሕቡራት ሃገራት ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተወካሊት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዝን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሱዚን ምስ ዝተመርሐ ጉጀለ ሓለፍቲ ዝተፈላላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዘቲዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ምግጣሙን ህዝቢ ንሕሱም ናብራ ምቅልዑን ኣብቲ ዘተ ገሊፆም።

ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ስሩዕ ህይወቱ ክቕፅልን ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዳግመ ሕወየትን ህንፀትን ትግራይ ኩሉ ዝካኣሎም ክፍፅሙ ፀዊዖም።

እቶም ኣባላት ልኡኽ ብግደኦም፥ ዝተጀመረ ሰላም ብዘላቕነት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝሰርሑ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣረጋጊፆም።

ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልምዓታውን ሰብኣዊን ሓገዝ ከም ዝገብሩን ኩለመዳይ ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ ብልዑል ትኹረት ከምዝሰርሑን ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.