Fana: At a Speed of Life!

ካማላ ሃሪስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ንጎስጓስ መረፃ ዝኸውን 81 ሚሊየን ዶላር ኣተኣኻኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንምክትሎም ብምትካእ ንባዕሎም ካብ ውድድር ምስኣልዐሉ ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝገበረኦ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት 81 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣተኣኻኺበን፡፡

ኣብቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ ልዕሊ 8 ሚሊየን 88 ሺሕ ስሩዓት ለገስቲ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ዕዉትነት እቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ ስዒቡ ብድሕሪት ሓገዝ ህዝቢ ከምዘሎን ትራምፕ እውን ነዚ ከምዘፍረሖም ኣቐባሊ ቃል ወፍሪ ካማላ ሃሪስ ኬቨን ሙኖዝ ተዛሪቦም፡፡

ጉጅለ ወፍሪ ጎስጓስ ሃሪስ ኣብ 24 ሰዓት ዘተኣኻኸቦ ገንዘብ ክሳብ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝኾነ ሕፁይ ኣኪቡ ከምዘይፈልጥ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ጉጅለ ሃሪስ 43 ሺሕ ሓደሽቲ ለገስቲ ከምዝወሰኸ ብምሕባር÷ ካብ ሞንጎ ለገስቲ ካብ ፍርቂ ዝበልፁ በቢሰሙን ሓገዝ ንምግባር ከምዝፈረሙ ኢንዲያ ቱዴይ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ባይደን ንምክትሎም ካማላ ሃሪስ ሕፅይቲ ኮይነን ንኽወዳደራ ዝተክኡወን÷ ምስ ተናሓናሒኦም ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝገበሩዎ ድኹም ከይዲ ክትዕ ብፓርቶም እንተይተረፈ ዝበፅሖም ልዑል ፅዕንቶ ከምዝኾነ ይዝከር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.