Fana: At a Speed of Life!

ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ክሳተፋ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ሓይልታት ጠጠው ንኽብሉ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ክሳተፋ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ሓይልታት ጠጠው ንኽብል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብ ደቡብ አፍሪካ ኣባልን መስራቲን ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ዩናይትድ ሚዲያ ሃውስ ኣይተ በሃይሉ መሓመድ ገለፆም።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ነቲ ዝተጀመረ ወፍሪ “#ይኣክል”ካብቶም ዝፅርሑ ምንቅስቓሳት ሓደ እንትኸን÷ ካልኦት ሃገራ ኣፍሪካ ንኢትጵያውያን እናስዓብዎም ምዃኖም እውን ገሊፆም።

ኣይተ በሃይሉ መሃመድ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ÷ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኹሉ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ንኣፍሪካውያን ብምስታፍ ፀገማት ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል መምርሒ ለውጢ እናምፀአ ምዃኑ እዩ ዝተሓበረ።

በዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ደቡባዊ ኣፍሪካን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፍሉጣት መራኸብቲ ሓፋሽ ብምቕራብ ሓቂ ሃገሮም እናፋለጡ ምዃኖም እዮም ኣይ በሃይሉ ዝገለፁ።

በዓል ልደት ንምብዓል ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ዲያስፖራታት ብጉጅለ ግበረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅ ግድኡ ንኽዋፃእ እውን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.