Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ከባቢታት ቆላ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሸሞንተ ክልላት ተግባራዊ ዝግበር ካልኣይ ዙር ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ከባቢታት ቆላ ዕላዊ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣፍሊጡ።

ነቲ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝኸውን 424 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዶላር ባጀት ከምዝተትሓሉ እውን ሓቢሩ።

ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፥ ናብራ ሰበኽ ሳግምን ክፋል ሰበኽ ሳግምን ንምምሕያሽ ዝተሰናድአ እቲ ፕሮጀክት ተግባራዊ ዝግበር ኣብ 8 ክልላት ኢዩ ኢሎም።

ዕላማ እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ቆላ ዝርከቡ ሰበኽ ሳግማት ናብረኦም ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ተግባራት ንምጥንኻር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በቲ ፕሮጀክት 600 ሺሕ መራሕቲ ስርዳ ሓዊሱ 3 ሚሊየን ስድራ ብቐጥታ ተ6ረባሕቲ ከምዝኾኑ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.