Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንክዛዘም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣተኣማማኒ ኩነታት ኢዩ ዘሎ-  ሌ/ጄ ኣስራት ዴኔሮ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንክዛዘም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኣተኣማማኒ ኩነታት ኢዩ ዘሎ ክብሉ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከል  ሌ/ጄ ኣስራት ዴኔሮ ኣረጋፆም።

ሌ/ጄ ኣስራት ኣብቲ ከባቢ ልኡኾም ይዋፅኡ ምስ ዘለዉ ኣባላት ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብትኹረት ዝከታተሎ ዘሎ ግድብ ህዳሰ በቢብርኩ ብዘለዉ ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት ተይቲን ቀትሪን ይሕለ ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህንፁ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ይሳለጥ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ሰራዊት ብመሰረት ዝኸፈሎ መስዋእቲ ሰላም ዞባ መተከል ካብ እዋን ናብ እዋን የማሓየሽ ከምዘሎ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት እቲ ዞባ ሞትን ምምዝባልን ጠጠው ከምዝበለ ኣፍሊጦም ክብል ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.