ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብሰለስቲአን ሃገራት ብሄራዊ ጉጅለ ተመራመርቲ ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ግዜ ከምዝካየድ ተገሊፁ
አዲስ አበባ ፣ ግንቦት 14 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኦታዋ ኢምባሲ ፌዴሪኢን ጥምረት ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ኣብ ካናዳ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዘሰናድእዎ ናይ ዌብናር ኣኼባ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዜጋታት ንምቕራፍን ናብራ ንምምሕያሽን ሃፍቲ ማያ መጥቃም ግዴተኣ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ተግባር ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ብዘይጎድእ መገዲ ከምዝፍፀም ድማ ሓቢሮም።
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብሰለስቲአን ሃገራት ብሄራዊ ጉጅለ ተመራመርቲ ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ግዜ ከምዝካየድ ድማ ገሊፆም።
ምስቲ ግድብ ብዝተዛመደ ብወገን ሱዳንን ግብፅን ዝለዓሉ ስግኣታት ንምቕራፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕነት እቶም ዘተታት ከመዝተኻየዱ ሓቢሮም።
መፍትሒ ኣብ ዘይተገበረሎም ጉዳያት ድማ በምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካ ተኸታተልቲ ዝኾኑ ዘተታት ከመዝተገበሩ ኣብሪሆም።
ይኹን እንበር ክልቲአን ሃገራት ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንክሕዝ ብምግባረን ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ድርድር የተዓናቕፋ ምህላወን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ሰለሰቲኣዊ ድርድር ኣብ ምምላእ ማይን ምምሕዳርን ኣተኲሩ ንክቕፅል ባህጊ ከምዘለዋ ገሊፆም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።