Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዝተፈላለዩ ውድድራት ርሕቐት ወርቂ ከምፅኡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ትፅቢት ዝግበረሎም ኣትሌታት ዘካተተ ካልኣይ ዙር ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ።

ትማሊ ምሸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰ እቲ ልኡኽ፥ ብ5 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ በዓልተ ዋና ዓለም ለኸ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ  ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ሓጎስ ገ/ሕይወት፣ ሰለሞን ባረጋን ፅጌ ዱጉማን ይርከብዎ።

እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ማህሌት ሃይሉ፣ ፕሬዘዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ካልኦት ኣካላትን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.