Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዓመታዊ ፓርላሜንታዊ ኮንፈረንስ ምርምር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዓመታዊ ፓርላሜንታዊ ኮንፈረንስ ምርምር ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይ ታገሰ ጫፎ ነቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን፥ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ምምሕዳራዊን ኩነታ ሃገር ንምድንፋዕን ተወዳዳሪ ንምዃን መፅናዕቲን ምርምርን ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ብሓፈሻ እዋኑ ዝጠልቡ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕቲን ቁልፊ ግደ ከምዝፃወቱ ኣመልኪቶም።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘሳልጦም ስራሕቲ ብምርምርን መፅናዕቲን ብምሕጋዝ ፀገም ፈታሕቲ ሕጊታት ንምውፃእ ከምኡ እውን ለውጢ ኣሰራርሓ ዝደልዩ ኣሰርቲ ደምቢታትን መምርሒታትን ንምስትኅኻል መፅናዕቲን ምርምርን ከምዘድሊ እው ኣብሪሆም።

“በዚ ከይዲ ዝተደገፈ ምኽረ ሓሳብ ብምቕራብ ፀገማት ምፍታሕ ንሃገር ይጠቅም” ኢሎም እቶም ኣፈ ጉባኤ።

በዚህም ረገድ የትምህርት ሚኒስቴር ፓርላማውን ለመደገፍ ቁርጠኛ መሆኑንም ገልጸዋል።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ፥ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመፅ ተምሃሮ፣ ማሕበራት ሲቪክን ሞያን ከምኡ እውን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ከምዝርከቡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.