Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሳልሳይ ዙር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምና ዝመፅኡ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣምቢሮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሀይ ጳውሎስን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተሳቲፎም።

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ እውን ዑደት ገይሮም።

እቶም ኢትዮጵያዊያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝገብርዎ ፃውዒት ስዒቡ ኣብ ሳልሳይ ዜር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.