Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንመበል ሳልሳይ ዙር ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንመበል ሳልሳይ ዙር ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ንክመፅኡ  ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ፥ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ባህሊ፣ ታሪክን ክብሪን ሃገሮም ብኣግባቡ ንክግንዘቡ ንምግባር ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ቅድመ ሐዚ ብኽልተ ዙር ዝኣተዉ ኣብ ሃገሮም ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ሳልሳይ ዙር ዑደተኛታት ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ጀሚሮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.