Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ዓዶም ንዝገብርዎ ጉዕዞ ምትሕበባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ዓዶም ንዝገብርዎ ጉዕዞ ምትሕበባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስ ሚሲዮናት ኢትዮጵያ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣካቢት ብሄራዊ ኮሚቴ ፃውዒት ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያንን ሚኒስትር ቱሪዝምን ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፥ እቲ ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይ ዝገበርዎም ሃገራዊ ፃውዒታት ዝስዕብ ክፍሊ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ዕላምኡ ድማ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ምስ ባህሎምን ታሪኮምን ምዝማድ ከምኡውን ኣብ ሰናይ ተግባራት ዝህልዎም ተሳትፎ ክብ ንከብሉ ንምልዕዓል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዚ ንምዕዋት እቲ ኮሚቴ ምስ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምኡወን ብብርኪ ፌዴራል ምስ ዘለዎ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምውዳድ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ክሳብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም ዝፀነሕ ከምዘኾነ ብምግላፅ፥ ሚሶናት ኢትዮጵያ ናይ ምትሕብባር ግደኦም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.