Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ኩለን ክልላት ዝተመረፃ 240 ወረዳታት ፀገም ድኽዳኸ ንምቅላል ከምዝስራሕ ተፈሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፀገም ድኽዳኸ በቢዓመቱ 55 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምትስእን ገሊፀን።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ምስ መሓዙት ኣካላት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ስምምዕነት ቃል ኪዳን ሰቖጣ ከም ኣብነት ኣልዒለን።

ኣብ ፕሮግራም ምስፍሕፋሕ ካልኣይ ምዕራፍ ቃል ኪዳን ሰቖጣ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲተን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ድኽዳኸ ኣብ ኩለመዳይ ፅዕንቶ እዛ ሃገር ዘሕድሮ ፀገም ብምግንዛብ ብምግቢን ስርዓተ ፖሊሲን ካብ ምትግባር ሓሊፉ ካልኦት ስራሕቲ እውን እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 58 ሚኢታዊ ዝነበረ ፀገም ድኽዳኸ ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ተዛሪበን።

ፀግም ድኽዳኸ ካብ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ን15 ዓመት ዘገልግል ቃል ኪዳን ሰቖጣ ዕላዊ ከምዝተገበረ ይዝከር።

በዚህ ሰነድ እስከ 2020 ዓ.ም ከ7 ሚሊየን በላይ ከሁለት አመት በታች ያሉ ህጻናት እንዳይቀነጭሩ ለማድረግ ቃል ተገብቷል።

ቀዳማይ ምዕራፍ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ካብ 2010 ክሳብ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝርከባ 40 ወረዳታት እናተተግበረ ፀኒሑ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.