Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ሃገር ለኸ ኤግዚቪሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ገጠር ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ሃገር ለኸ ኤግዚቪሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ገጠር ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።
 
ኣብቲ ኤግዚቪሽን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሣው፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ካባ ኦርጌሳ ከምኡ እውን ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ተወከል ተረኺቦም።
 
መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ዶክተር ካባ ኡርጌሳ፥ ኣብ ካልኣይ ዘመን ትልሚ ዕቤትን ትራንስፎርሜሽንን ን4 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ገጠር ንምፍጣር ተሃቂኑ እቲ 4 ነጥቢ 1 ወይ ከዓ 87 ሚኢታዊ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
 
እቲ ዝተፈጠረ ዕድል ስራሕ፥ ብዓውዲታት ሕርሻ፣ መዓድን፣ ብምምራትን ንግዲን ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ምዃኖም እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሆም።
 
በቢዓመቱ ንልዕሊ 1 ሚሊየን ዝኾኑ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ካባ፥ ብመንፅር ደለይቲ ስራሕ እንትረአ ግን ኣብ ጅማሮ ዝርከብ ብምዃኑ ኣድህቦ ተገይሩ ክስረሐሉ ይግባእ ኢሎም።
 
ኣብቲ ኤግዚቪሽን፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢትት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንምርኢት ቀሪቦም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.