Fana: At a Speed of Life!

ኪነጥበብን ሰብ ሞያን ምንባር ዝኽእሉ ሃገር እንትነብር ኢዩ-ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኪነጥበብን ሰብ ሞያን ምንባር ዝኽእሉ ሃገር እንትነብር ኢዩ ክብል ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ ገሊፁ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ቢሮ ምስ ማእከል ባህሊ ኦሮሚያን ኣርቲስታት ኦሮሚያን ብምዃን ንሃገር መከላከያ ሰራዊት ሎሚ መዓልቲ ደም ለጊሶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ፥ ኪነጥበብን ሰብ ሞያን ምንባር ዝኽእሉ ሃገር እንትነብር ኢዩ ኢሎም።

ኣብዛ ሃገር ዝረአ ዘሎ ለውጢ ሚና ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ዝጎልሀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሐዚ እውን ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተለኣኣኽቱን ንምጥፋእ ኣብ ግንባር ህይወቱ እናሃበ ካብ ዘሎ መከላከያ ሰራዊት ብዘይነኣኣስ ስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።

ዘንፀላለወና ሓደጋ ንምኽልባስን ንደቅና ዝሓሸ ሃገር ነምቕፃልን ኩሉ ሰብ ብዘለዎ ዓቅሚን ክእለትን ክረባረብ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም ኣይተ ከበደ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.