ኩነታት ብኽለት ኣየር ዝሕብር ዘበናዊ መቆፃፀሪ ራዳር ንምትካል ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩነታት ብኽለት ኣየር ዝሕብር ዘበናዊ መቆፃፀሪ ራዳር ንምትካል ይስራሕ ኣሎ ክብል ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቶም ጣቢያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከመዝትከሉ ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ፈጠነ ተሾመ፥ ኣብ ውሽጢ 250 ኪሎ ሜትር ራዲየስ መረዳእታታት ብህፁፅ ምእካብ ከምዝከኣል ኣፍሊጦም።
እቲ መረዳእታ ኣኪቡ ብምውዛዕ ንቅድመ መጠንቀቕታን ስራሕቲ ልምዓትን ሓገዝ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።