Fana: At a Speed of Life!

ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ብምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ኢሊዮ ኢድዋርዶ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኩባ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሓገዝ እናገበረት ከምዝኾት ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ንግዲ፣ ትራንስፖርት ኣየር፣ ምሕደራ ማይን ካልኦት ዓውዲታትን ክልተኣዊ ስምምዓት ምትግባር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም፡፡

ኢሊዮ ኢድዋርዶ ብግደኦም÷ ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያን ኩባን ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንምግባር ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.