ኩባንያ ኣንቴክስ ቴክስታይል ብ20 ሚሊየን ዶላር ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዳማ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዝርከብ ኩባንያ ኣንቴክስ ቴክስታይል ብ20 ሚሊየን ዶላር ተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪን ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር)፥ ምንቅስቓሳት ስራሕቲ እቲ ኩባንያ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡
ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር)÷ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ እቲ ኩባንያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ኣብ ሓፂር እዋን ዛዚሙ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝግበረሉ ገሊፆም፡፡
እቲ ኩባንያ ኣብ ዞባ ኢኮኖሚ ንልዕሊ 4 ሺሕን 500 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።
ኣብ ቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ቁፅሪ ሰራሕተኛታቱ ናብ 20 ሺሕ ንምዕባይ ምንቅስቓሳት እናካየደ ምዃኑ ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን ይገልፅ፡፡