Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያታት ግዝኣት ሁቤይ ኣብ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዕድል ስራሕ ኣብ ምርፍጣር ዕዙዝ ግደ ይፃወቱ ኣለዉ – ኣምባሳደር ተፈራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያታት ግዝኣት ሁቤይ ኣብ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዕድል ስራሕ ኣብ ምርፍጣር ዕዙዝ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብታ ግዝኣት “ጎ ግሎባል” ብዝብል ኣብ ዝተሰናደአ ጉባኤ ምትሕብባር ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ግዝኣት ሁቤይን ጥንኩር ምትእስሳር ኢኮኖሚ ከምዘለወን ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እታ ግዝኣትን ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምድንፋዕ ዘኽእል ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኩባንያታት ግዝኣት ሁቤይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ ኩባንያታት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣታዊ ኣብ ምምፃእን ልዑል ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.